ኣብ ክልል ሶማል ክልተ ተመሃሮ ብኣባላት ጸጥታ ተቐቲሎም ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ክልተ መናእሰይ ብኣካላት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉን ነቲ ቕትለት ስዒቡ ተቓውሞ ከም ዝተለዓለን ተገሊጹ።
መንግስቲ እቲ ክልል፡ ብቅትለት እቶም ተመሃሮ ዝጥርጠሩ ሰባት ምስ ዘይሕጋዊ ንግዲ (ኮንትሮባንድ) ከም ዝተሓሓዝ ንቢቢሲ ኣፍሊጡ'ሎ።
ዘዘራረብናዮ ምስክር ዓይኒ "ብዶብ ኣቢሉ ካብ ኣንፈት ሶማሊላንድ ዝመጽእ መኪና ነይሩ። ዶብ ጥሒሱ ክሓልፍ ምስ ፈተነ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክትኩሱ ጀሚሮም" ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹ።
ሽዑ በቲ ዝተኸፈተ ተኹሲ ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ክልቲኦም ድማ ተመሃሮ ከም ዝነበሩን ኣረዲኡ።
ንሱ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ "ነቲ ቕትለት ስዒቡ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ናዕቢ ጀሚሩ" ክብል ተዛሪቡ።
ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣይተ ዓብዱቃድር ረሽድ ግን "ኣብዚ እዋን ኣብ ዋና ከተማ ክልል ሶማሌ - ጂግጂጋ - ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ጸጥታ ኮነ ናዕቢ የለን" ክብል ገሊጹ።
እቶም ክልተ መናእሰይ ድማ ብኣካላት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ኣረጋጊጹ።
"ኣብ ጂግጂጋ ከባቢ 'ኣውበሬ' ምስ ኮንትሮባንድ ብዝተሓሓዝ ኬላ ጥሒሶም ኣብ ልዕሊ ዝሓለፉ ሰባት ሓይልታት ጸጥታ ተኲሶም ህወይት ክልተ ሰባት ከም ዝሓለፈ ሓበሬታ ኣለኒ" ኢሉ።
እቲ ቕትለት ምስ ጸገም ጸጥታ ዝተሓሓዝ ከም ዘይኮነ ብምሕባር ንዘይሕጋዊ ንግዲ ከም ምኽንያት ኣቐሚጡ'ሎ።
"ክልል ሶማሌ ኣብ ዶብ ብምህላዉ፡ እቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ኣሸበርቲ ጉጅለ ነቲ ኮሪደር ከም መሰጋገሪ ተጠቒሞም ነታ ሃገር ናይ ምሽባር ዕላምኦም ከየፈጽሙ ብዝብል ኣብ ኬላ ንገብሮ ሓለዋ ስጡም'ዩ። ከምኡ'ውን ክኸውን ኣለዎ" ክብል'ውን ኣረዲኡ።
"ፈተነ ዕልዋ"
ቅድሚ መዓልታት ኣባላት ውድብ ብልጽግና ክልል ሶማል ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ኣካላት፡ ናይቲ ክልል ውድብ ብልጽግና ናይ "ምዕራይን ምስትኽኻልን" ዝብል ምንቅስቓስ ከም ዝጀመሩ ይዛረቡ።
እቶም ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዝተኣኻኸቡ ናይ ቀደም ኣመራርሓ ቁጽሮም ካብ 10 ከም ዝበዝሕ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ካልኦት ናይ ቀደም ኣባላት መሪሕነት እቲ ውድብ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ሓቢሮምዎም ከም ዘለዉ ገሊጾም።
እቲ ጉጅለ "ህዝቢ እቲ ክልል ንምድሓን" ዝብል ምንቅስቓስ ምጅማሩ እዮም ዝሕብሩ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ሶማል ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ዝሳተፍ ዘሎን ኣቶ ሓቢብ ሓጂ መሓሙድ "ውድብ ብልጽግና መስመሩ ስሒቱ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ተዛሪቡ።
ኣቶ ሓቢብ ከም ዝገለጾ፡ እቶም ነቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ብልጽግና ክልል ሶማል ብምቅዋም ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ቅድሚ ሕዚ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝነበሩን ኣብቲ ክልል ካብ 15 ክሳብ 20 ዓመት ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘገልግሉን እዮም።
ኣብዚ ቕነ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እቲ ክልል ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ ከም ዝፈሸለ ዝገልጽ ሓበሬታ ከም ዝዘርግሐ ተሰሚዑሎ።
ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣይተ ዓብዱቃድር ረሽድ ግን ስኑዕ ክብል ይነጽጎ።
"እቲ ንሕና ኣብ ዘውጻእናዮ መግለጺ ብዛዕባ ዝተፈተነ ኮነ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ዝገልጽ ዋላ ሓደ ቃል ኣይተጠቐምናን" ይብል።
እቶም ለውጢ ዘይተቐበሉ ዝበሎም ሓይልታት "ለውጢ ንደልይ ኢና፤ መንግስቲ ሶማሌ ኣብ ጉዳይ ድርቂ ብግቡእ ኣይሰርሐን፤ ሰብ ብጥምየት እናሞተ መንግስቲ ስቕታ መሪጹ" እናበሉ ብማሕበራዊ መራኸብታት 'ፕሮፓጋንዳ' ክዝርግሑ ምጽንሖም ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ስለዚ ነዚ ዝምልከት መግለጺ ኢና ኣውጺእና። ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ኮነ ጉዳይ ዕልዋ መንግስቲ'ውን ኣይተልዓለን፤ ኣይተረኣየን" ክብል ተዛሪቡ።
ክልል ሶማሌ ብፍላይ ከተማ ጂግጂጋ ኣብ ከቢድ ስግኣት ጸጥታ ብምእታዋ ሰራዊት ምክልኻል ተዋፊሩ ክበሃል ቀንዩ'ሎ።
ነዚ ብዝምልከት ሕቶ ዘቕረብናሉ ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣይተ ዓብዱቃድር ግን "ሰላም ዘይደልዩ" ክብል ዝገለጾም ሓይልታት ዝዘርግሕዎ ከም ዝኾነ ሓቢሩ'ሎ።
"ዝተዋፈረ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይልን የለን። ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ጸጥታ'ውን የለን። ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ ተዋፊሩ ማለት ኣብቲ ክልል ከቢድ ጸገም ኣሎ ማለት'ዩ። ስለዚ ኣይኮነን'ዶ ሰራዊት ምክልኻል እቶም ናትና ፍሉይ ሓይሊ'ውን ኣብ ከተማና ዝገብርዎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ የለን" ኢሉ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
