ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ክልል ሶማል እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

ቅድም ክብል ኣባላት ውድብ ብልጽግና ክልል ሶማል ከምዝነበሩ ዝገልጹ ኣካላት፡ ናይቲ ክልል ውድብ ብልጽግና ናይ "ምዕራይን ምስትኽኻልን" ዝብል ምንቅስቓስ ከምዝጀመሩ ይዛረቡ።
እቶም ኣብ ከተማ ጂግጂጋ ዝተኣኻኸቡ ናይ ቀደም ኣመራርሓ ቁጽሮም ካብ 10 ከምዝበዝሕ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ካልኦት ናይ ቀደም ኣባላት መሪሕነት እቲ ውድብ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ሓቢሮምዎም ከምዘለዉ ገሊጾም።
እቲ ጉጅለ "ህዝቢ እቲ ክልል ንምድሓን" ዝብል ምንቅስቓስ ምጅማሩ እዮም ዝሕብሩ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ሶማል ዝነበረን ኣብዚ እዋን ኣብቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ዝሳተፍ ዘሎን ኣቶ ሓቢብ ሓጂ መሓሙድ "ውድብ ብልጽግና መስመሩ ስሒቱ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ተዛሪቡ።
ኣቶ ሓቢብ ከምዝገለጾ፡ እቶም ነቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ብልጽግና ክልል ሶማል ብምቅዋም ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ቅድሚ ሕዚ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝነበሩን ኣብቲ ክልል ካብ 15 ክሳብ 20 ዓመት ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘገልግሉን እዮም።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና እቲ ክልል ኢንጂነር መሓመድ ሻሌ ብወገኑ: እቶም ተቓወምቲ "ካብ ኣባልነት እቲ ውድብ ዝተባረሩን ካብ ሓላፍነቶም ዝተኣለዩን ውልቀ ሰባት እዮም" ኢሉ።
"ካብ ሓላፍነት ናይ ዝተባረሩን ዝኾረዩን ውልቀ ሰባት ጉጅለ እዩ" ዝበለ እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብቲ ውደብ ዘሎ ጉድለታት ንምስትኽኻል ኣብ ምድላው ንርከብ ኢሉ።
ብተወሳኺ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ውድብ ብልጽግና ክልል ሶማል ተኸፋፊሉ እዩ ዝብል ሓበሬታ "ግጉይን ተቐባልነት ዘይብሉን" ከምዝኾነ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቶ ሓቢብ ብወገኑ፡ እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ ሰባት ኣባላት ብልጽግና ዝነበሩን ዝተባረሩን እዮም ንዝብል ሓሳብ እቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት "ሓሶት" ክብል ነጺግዎ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ውድብ ጸገም ሰናይ ምምሕዳርን ብልሽውናን ከምዘሎ ብምግላጽ መንግስቲ እቲ ክልል ንተቓወምቲ ኣሲሩ እዩ ክብል ከሲሱ።
ኢንጂነር መሓመድ እቲ ውድብ ኣብ ቀረባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዘካይድን ኣድላዪ ምትዕርራይ ከምዝገብርን እዩ ዝገልጽ።
ንሱ ነቲ ኣባላት ተቓወምቲ ተኣሲሮም ዝብል ክሲ እውን ነጺግዎ።
እቶም ተቓወምቲ ካብቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ውደብ ዘለዉ ጸገማት ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ክልል ብድርቂ ዝተጎደአ ህዝቢ እኩል ድጋፍ ኣይተገበረሉን፣ ምኽባር ናብራ ኣብ ህዝቢ ዘብጸሖ ዘሎ ጸቕጢ፣ ሸቕሊ ኣልቦነት መንእሰያት እቲ ክልልን ዝብሉ ተወሰኽቲ ሕቶታተ እውን ኣልዒሎም እዮም።
ብሓፈሻ ናይቲ ህዝቢ "ናይ መጻኢ ራእዩ" ዘጸልምት ኣካይዳ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ሓቢብ፡ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣባላት እቲ ውድብ ልምድን ፍልጠትን የብሎምን ክብል ወቒሱ።
እቶም ንባዕሎም ካብቲ ውድብ ዘግለሉ ውልቀ ሰባት ዘቕርብዎም ክሲታት ተቐባለነት ከምዘይብሎም ዝገልጽ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክልል ሶማል ኢንጂንየር መሓመድ ሻሌ ግና እቲ ውድብን ኣመሓደርቲ እቲ ክልልን ነቶም ዝተጠቐሱ ጸገማት ንምፍታሕ ካብኦም ትጽቢት ዝግበር ይፍጽሙ ከምዘለዉ ተዛሪቡ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
