እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ ስርሒት ፈንቅል ውድድር ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ባጽዕ ተኻይዱ
ብኣጋጣሚ መበል 32 ዓመት ዝኽሪ ምሕራር ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዓወቱ ኣትሌታት ገንዘባዊ ሽልማት ተዋሂቦም።
ኣብቲ 21 ኪሜ ዝሸፈነ ውድድር ደቂ-ተባዕትዮ፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ታንዛንያን ደቡብ ሱዳንን ዝመጹ ኣስታት 50 ኣትሌታት ከምዝተሳተፉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ኤርትራዊ ሳምሶን ኣማረ ካብ ዞባ ደቡብ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋቱ፡ ወርቂ መዳልያን 3000 ዶላርን ተዋሂቡ።
መበል ካልኣይ ዝወጸ ኢትዮጵያዊ በላይ ጥላሁን ድማ ብሩር መዳልያን 2000 ዶላርን ረኺቡ።
ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘ ኤርትራዊ ተሳታፊ ኦሊምፒክስ ኣሮን ክፍለ ካብ ዞባ ደቡብ ብወገኑ፡ ነሓስን መዳልያን 1500 ዶላርን ተቐቢሉ'ሎ።
ኣብቲ ውድድር ካብ ዝተሳተፋ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፡ ኤርትራዊት ተሳታፊት ኦሊምፒክስ ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ መዳልያን 45,000 ናቕፋን ተዓዊታ ኣላ።
ተሳታፊት ኦሊምፒክስ ኤርትራዊት ኣትሌት ዶልሺ ተስፉ ድማ ብሩር መዳልያን 30,000 ናቕፋን ወሲዳ።
ሳልሰይቲ ብምውጻኣ ነሓስ መዳልያ ዝዓተረት ኣትሌት ናጽነት ኣማኑኤል'ውን 22,500 ናቕፋ ረኺባ።
ውድድር ጉያ እግሪ ፍርቂ ማራቶን ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2004 ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ 2011 ዞባዊን ዓለምለኻውን ኣፍልጦ ምርካቡ ይግለጽ።
"ስርሒት ፈንቅል" መጸውዒ ናይቲ ኣብ ለካቲት 1990 ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ናጻ ንምውጻእ ብህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ህዝባዊ ግንባር) ዝተወስደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይፍለጥ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብወግዒ ዝጽንበሉ ወተሃደራዊ ዓወታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ድማ እዩ።