እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝኽሪ ፈንቅል 30 ዓመት ብድምቀት ተባዒሉ
ዝኽሪ 30 ስርሒት ፈንቅል፡ "ፈንቅል ንልምዓት" ብዝብል ቴማ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ይበዓል ምህላው ማዕከናት ዜና ኤርትራ ጸብጺበን።
ኣብቲ ጽንብል ፕረዚደንት ኢሳይያስን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን፣ ምኒስተራት፤ ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ዑዱማት ኣጋይሽን ይሳተፉ ኣለው።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሓያሎ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ባጽዕ ሕቋፍ ዕምበባ ኣምቢሮም።
ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት፡ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ሰሜናዊ ቐይሕ ባሕሪ ወይዘሮ ዘይነብ ዑመር፤ "ዝኽሪ ታሪኻዊ 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ኣብ እንጽንበለሉ ዘሎና እዋን፡ ንኩሉ ተጻብኦ ስዒርና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሰላም ምህላውና ኣገዳሲ እዩ" ብምባል፡ ነቶም ብጅግንነት ብሉጻት ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ዓወት ፈንቅል ክዝክሩ ዝመጽኡ ነጋድያን ኣመስጊና።
ኣብቲ ጽንብል ሓላፊ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ " ሃገራዊ በዓላትና ተዘክሮና ብምሕዳስ ዝዓየናዮምን ዝተረፈናን እንግምግመሉ ምዕራፋት እዮም" ብምባል፡
ንዘይንቕነቕ ዕርድታት ጸላኢ ንምስዓር ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ብኽብሪ ንዝክር ኢሉ።
ብጽንዓት ህዝቢ ዝተረጋገጸ ሰላም ናብ ልምዓት ንምቕያር ብመንግሰቲ ንዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ እውን ኣመስጊኑ። ኣብቲ ጽንብል ነቲ ዕለት ዝገልጽ፡ ሳላ ዝተጸመምና ስዒርና ዝመልእኽቱ ዝተፈላለየ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ምቕራቡ እውን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ጸብጺበን።
ይኹን'ምበር ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዝተሳተፉ ሓያሎ ተጋደልቲ፡ ዴሞክራሲያዊት ቅዋማዊት ሃገር ንምህናጽ ዘካየድናዮ ቃልሲ ብመሪሕነትና ተጠሊሙ እዩ ክብሉ፡ ርእይቶኦም ይህቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሎሚ ሰምበት ሰዓት ሸሞንተ ንዘቤታዊ ጉዳይ ዝምልከት ቃለ-መሕትተ ከካይድ ትጽቢት ይግበር።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ቃለ-መሕትት፡ ሓያሎ ተኸታተልቲ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ፕረዚደንት ኣብ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፣ ኣብ ጉዳይ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን፣ ኣብ ትግባረ ሃገራዊ ቅዋምን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ክዛረብ ትጽቢት ከምዝገብሩ ሓቢሮም።