ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ‘ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጉድኣት ናብ ዘየብጽሑሉ ንደፍኦም ኣለና’- ኣምባሳደር ፍሳሃ

ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር
Published

መንግስቲ ክልል ዓፋር ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግልጺ፡ ህወሓት መስመር ጅቡቲ - ኣዲስ ኣበባ ንምሃዝ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ከሲሱ።

ሓይልታት ህወሓት ኣብ ወረዳ ኪልበቲ ዝርከባ ሓሙሽተ ወረዳታታትን ንኸተማ ኣብዓላን ከም ዝተቆጻጸሩወን'ውን ጠቒሱ።

ብዘይካ እዚ ሓይልታት ህወሓት ንወረዳታት ኣብዓላ፣ መጋሌ፣ ኤረብቲ፣ ኮነባን በራሕለን ከም ዝሓዙወን'ውን ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ብሓይልታት ህወሓት ብኸበድቲ ብረታት ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት "ንመስመር ኢትዮ- ጅቡቲ ብምቁጽጻር ንክልል ዓፋር ከም ትሕጃ ሒዙ ንመደራደሪ ክጥቀሙላ'ዩ ዕላመኦም" ክብል ከሲሱ።

ተወካሊ ህወሓት ኣምባሰደር ፍሳሃ ኣስገዶም ብወገኑ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ወፊሮም ከምዘለዉ ዝገለጸ ኮይኑ ነቲ ንመስመር ጅቡቲ ኣዲስ ኣበባ ንምቑራጽ ውግእ ከፊቶም ዝብል ክሲ ግን ኣይተቐበሎን፡፡

ኣምባሳደር ፍሳሃ ሎሚ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ''ኣብ ዓፋር ኣለና፡፡ ናይ ኤርትራን ናይ ዓፋርን ሓይልታት ናብ ትግራይ ክኣትዉ መጥቃዕቲ ስለዝፈጸሙ ንዓኣቶም ከንደፍእ ኣብ ዓፋር ኣለና'' ኢሉ፡፡

እቶም ሓይልታት ካብ ከተማ መቐለ 30 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ በጺሖም ከምዝነበሩ ብምጥቃስ ድማ ''ከቢድ ግፍዒ'' ፈጺሞም ክብል ከሲሱ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ክካየድ ዝቐነየ ኲናት ምቕጻሉ እምበር ከምቲ ክልል ዓፋር ዝገለጾ ዝተጀመረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዘየለ ተዛሪቡ፡፡

''ኣብ ኲናት ኢና ዘለና፤ ሓድሽ መጥቃዕቲ የለን፡፡ ናይ ሻዕብያን ዓፋርን ሓይሊ [ካብ ከተማ መቐለ] 30 ኪሜ በጺሖም ነይሮም፡፡ ብዙሕ ግፍዒ ፈጺሞም ፡፡ ንዓኣቶም ናይ ትግራይ ሓይሊ ይደፍኦም ኣሎ፡፡ ናብ ትግራይ ዘይኣትዉሉ፤ ኣብ ህዝብና ጉድኣት ዘየብጽሑሉ ደረጃ ክበጽሑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንኽልቲኦም ሓይልታት ይወቕዑዎም ኣለዉ፡'' ኢሉ።

ነቲ ብወገን ትግራይ ዝቐርብ ኤርትራ ሓይልታታ ብወገን ዓፋር ከምዘዋፈረት ዝገልጽ ክሲ ዝምልከት ካብ መንግስቲ ኤርትራ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን፡፡

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይን ዓፋርን ሓድሽ ግጭት ከም ዝተወልዐ ክግለጽ እንከሎ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዓፋር ዘሊቖም ብምእታው ሰለስተ ወረዳታት ከም ዝተቖጻጸሩ መንግስቲ ክልል ዓፋር ገሊጹ ነይሩ።

ሓይልታት ህወሓት ብወገኖም ብሸነኽ ዓፋር ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ምጽንሖምን "ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝተገደዱን" ገሊጾም'ዮም።

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ንሰሙናት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ዓፋርን ሰራዊት ኤርትራን ናብ ትግራይ ተጸጊዖም ኣንጻር ሓይልታትና መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ነይሮም፤ ሰብኣዊ ረድኤት ተዓናቒፉ፣ ኣማኢት ተጋሩ ቐቲሎም ንብረቶም ዘሚቶም፣ ኣሽሓት ክኣ ተኣሲሮም'ዮም። ኣብ መወዳእታ ንጸጥታዊ ጉዳያት ክንብል መልሲ ክንህብ ነይሩና" ምባሉ ይዝከር።

መንግስቲ ፌደራል'ውን ብዛዕባ እዚ ኣብ ክልል ዓፋር ይካየድ ኣሎ ዝተባህለ ኵናት ዝበሎ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ቅድሚ ሰሙን ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ብወገን ህወሓት ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ከም ግብረ መልሲ ኣድላዩ ዘበለ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ክልል ዓፋር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ህወሓት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ዝተቖጻጸረን ከተማ ኣብዓላ፣ ወረዳታት መጋሌ፡ ኤረብቲን ኣብዓላን ከይሓልፉ ከቢድ ናይ ምክልኻል ውግእ ይካየድ ኣሎ ብምባል፡ እንተኾነ ሓይልታት ህወሓት ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ መጥቓዕቲ ከፊቶም ኢሉ።

እቲ መግለጺ፡ "ዞባ ኪለበቲ ረሱ ምሉእ ንምሉእ ብምቁጽጻር ክሳብ ሰርዶ ብምእታው ንመስመር ኢትዮ-ጅቡቲ ንምብታክ ብኸቢድ ብረት ዝተሰነየ ውግእ የካይዱ ኣለዉ" ይብል።

ንክልላት ትግራይን ዓፋርን ዘርኢ ካርታ ኢትዮጵያ
መግለጺ ስእሊ, ንክልላት ትግራይን ዓፋርን ዘርኢ ካርታ ኢትዮጵያ

ሰብኣዊ ቅልውላው

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋታት ክልል ዓፋር ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ብሰንኪ እዚ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉ ገሊጹ።

ብምስዓብ በቲ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት፡ ትካላት መንግስቲ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ትምህርትን እምነትን ዕንወት ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ሓይልታት ህወሓት ናብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ኣስታት 150 ኬሎ ሜትር ንውሽጢ ኣትዮም ከም ዘለዉ ክጠቅስ እንከሎ ብምኽፋት "ንበራሕለን ወረዳ ኮነባን ብምቁጽጻር ጃምላዊ ቅትለትን ስርቕን የካይድዱ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ ኣሎ።

እንተኾነ፡ እዚ ብናጻ ኣካል ኣይተጻረየን።

በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።

እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እዚ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።

ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ፈቲሖም ነቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከለ ፍሉይ ልኡኽ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ'ውን ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፤ ንሰበስልጣን ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ እናረኸበ ብተደጋጋሚ ኣዘራሪብዎም'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ንጄፍሪ ፌልትማን ዝተከአ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ።

እዚ ኩሉ ጻዕሪታት፡ እቶም ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፈትሑ ንምግባር'ኳ እንተኾነ ዛጊት ግን ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኣየን።