ኢትዮጵያ: ፕረዚደንት ኬንያን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ኲናት ትግራይ ከብቅዕ ተማሕጺኖም

ፕረዚደንት ኬንያን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብቂዑ፡ እቶም ተጻባእቲ ናብ ዘተ ክኣትዉ ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት 25 ጥሪ 2014 ዓ.ም.ግ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ፡ ናብ ካልኦት ክልላት ዝተላበዐ ልዕሊ 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ደማዊ ኲናት ኣብቂዑ፡ ‘ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ልዝብ’ ክካየድ ተማሕጺኑ።

ጻውዒት እቲ ፕረዚደንት፡ ቅድም ክብል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ መንፈስ እቲ መጻኢ ዓርቢ ዝጅምር ዓለማለኸ ክረምታዊ ኦሎምፒክ ኣብ ግምት ብምእታው ተኹሲ ጠጠው ክብል ዘስመዖ ድምጺ ዘራጉድ እዩ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፡ በቲ ቀጻሊ ይካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣትዩ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ንኣሽሓት ዓመታት ባህሊ ዝኾነ፡ መንፈስ ሰላም ኦሎምፒክ፡ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ዘለዉ ተጻብኦታት ከብቅዑ እዩ ሓቲቱ።

ዋና ፀሓፊ አንቶኒዮ ጉቴሬዝ ብዛዕባ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ቻይና ቤጂንግ ዝካየድ ናይ ክረምቲ ውድድር ኦሊምፒክ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ: ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ከብሉ 'ተሪር ጻውዒት ሰላም ክሰምዕ እደሊ" ኢሉ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተጎድኡ ህዝብታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ክረኽቡን፡ ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ክረኽቡን ዝጠቅም ከምዝኾነ ወሲኹ።

ጎንጺታት ጠጠው ምባሎም፡ ነታ ሃገር ኣዝዩ መሰረታዊ ዝኾነ፡ ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተ ንኽካየድ መገዲ ዝጸርግን፡ በዚ ድማ ህይወት ንምድሓንን ኣፈላላያት ንምትዕራቕን ዘኽእል ሰላም ንክዓስል ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጉምቲ ከምዝኸውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኡሁሩ ኬንያታኸ እንታይ ኢሉ?

ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኑ፡ ‘ከም ፕረዚደንት ጎረቤት ሃገር ኬንያ: ከም ሓደ ሓው ህዝቢ ኢትዮጵያን’ ጻውዒት ሰለም ከቕርብ ከምዝደሊ እዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

“እቲ ኲናት ኣብዛ ዓቢ ባህልን ስልጣነን እትውንን ሃገር ንዝነብር ህዝቢ፡ ክብርን ሞጎስን ኣስኢንዎ ኣሎ” ኢሉ።

እቲ ፈተና ምሕላፍ ዝከኣል እቶም ተጻባእቲ ወገናት ብዝኽተልዎ፡ ናብ ዘላቒነት ሰላምን ምርግጋዕን ዝወስድ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

“ዝተፈለለዩ ኣተሓሳሰባታት ብምክእኣል መንፈስ ዝካየድ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ፡ በቲ ጎንጺ ንዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ዘብጸሓሎም ጽዕንቶ ብምፍኳስ ነዊሕ መገዲ ዝጓዓዝ እዩ” ኢሉ።

“ጎንጺ ኢትዮጵያ ኾነ ካልእ ዞባዊ ኮነ ዓለምለኻዊ ጎንጺ ተፈቲሑ፡ ናብ ዘላቒ ልምዓት ከምርሕ ኣለዎ። ብሓንሳብ ኮይንና ዝሐሸት ዓለም ክንፈጥር ንኽእል ኢና” ዝብል እምነት ከምዘለዎ ኣብ መግለጺኡ ኣንጸባሪቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ 193 ሃገራት ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ‘ብውልቀ ኾነ ብሓባር’ ጎንጽታት ከብቅዑ ዘኽእል ውዕል ኣጽዲቐን እየን።

በቲ ውሳነ መሰረት፡ ተኹሲ ጠጠው ምባል መንፈስ ኦሎምፒክ፡ እቲ ንመበል 24 ዝካየድ ዓለምለኻዊ ኢሎምፒክን ፓራኦሎምፒክን ዘጠቓልል እዩ።

ብኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኦሊምፒክስ ካብ ጥሪ 27 ክሳዕ የካቲት 13 ከምኡ ድማ ፓራሊምፒክስ ካብ የካቲት 25 ክሳብ መጋቢት 4 ይካየድ።

እቲ ጉባኤ ጥንታዊ ናይ ግሪክ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ኾይኑ፡ ሰላማዊ ሃዋሁ ብምፍጣርን ተሳተፍቲ እቲ ጸዋታ ብሰላም ክሓልፉ ዘኽኣለ ኦሊምፒክ ትሩስ [ተኹሲ ደው ምባል ኦሊምፒክ) እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሰላማዊ ስምምዕ ዘዘኻኽር እዩ።

ምምሕያሽ ሰላማዊ ዝርርባት

ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ መራሕቲ እቲ ክልልን መንግስቲ ፌደራልን ናብ ልዝብ ንክመጽኡ ዝግበሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምዕባለ ከርእዩ ከም ዝጀመሩ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

"ምስ መንግስቲ ፌደራል ክንዘራረብ ጀሚርና ኣለና፤ ብሞንጎኛታት ዝግበሩ ዝርርባትን ርክባትን ኣለው'ዮም። ኣብዚ ዝርኣዩ ምዕባለታት'ውን ኣለው፤ ግን እቲ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕረ ፍረ ንከምጽእ ንጽበ ኣለና" ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ተዛሪቡ።

ቅድም ኢሉ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ምዝራቡ ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ጸብጺቡ ነይሩ። ዛጊድ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ድርድር ብወግዒ ዝገለጾ ነገር የለን።

ብፍላይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ፈቲሖም ነቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከለ ፍሉይ ልኡኽ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ'ውን ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፤ ንሰበስልጣን ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ እናረኸበ ብተደጋጋሚ ኣዘራሪብዎም'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ንጄፍሪ ፌልትማን ዝተከአ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ዝተዘራረበ ይፍለጥ።

እዚ ኩሉ ጻዕሪታት፡ እቶም ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፈትሑ ንምግባር'ኳ እንተኾነ ዛጊድ ግን ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኣየን።

ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ኣብ ቀረባ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ትግራይን ዝተፈላለዩ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ውግኣት ከም ዘለው ምግላጹ ይዝከር።

ሰብኣዊ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ቴሌኮምዩኒኬሽንን፣ መጓዓዝያ ምድርን ነፋሪትን ከምኡ'ውን ኤሌክትሪክን ባንክን ተዓጺዮም፡ እታ ክልል ንዝበዝሐ እዋን ተኸርዲና ብምጽንሓ፡ ቀረባት ሕክምናን መግቢን ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ናይቶም ከቢድ ጥምየት ዘጋጠሞም ሰባት ይውስኽ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት "ብሰንኪ ሕሉፍ ጥምየት" ይሳቐዩ ኣለዉ።

በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።

እቲ ንኣስታት 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።