መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ደስኪላ ዝጸንሐት ቦይንግ 737 ማክስ ናብ በረራ መሊሱ

Published

ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገማት ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዓዲ ውዒል ኮይና ዝጸንሐት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝተባህለት ነፋሪት ሎሚ ናብ በረራ ከምዝተመልሰት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት ድሕሪ'ቲ ኣብ መጋቢት 2019 ዘጋጠመ ሂወት 157 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ብብዙሓት መንገዲ ኣየራት ተኣጊዳ ምንባራ ይዝከር።

እቲ መንገዲ ኣየር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ዘካየደቶ ፈላሚ በረራ ሰበስልጣን መንግስቲን ሰብመዚ እቲ መንገዲ ኣየርን ተሰቒሎም ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

ዋላ'ኳ ገለ መንገዲ ኣየራት ኣቐዲመን ነታ ስርሓት ቦይንግ ዝኾነት ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት ናብ በረራ ክትምለስ እንተገበራ፡ እቲ በቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ብቐረባ ዝተጎድአ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ደንጒዩ'ዩ ናብ በረራ ዝመልሳ ዘሎ።

ንድሕነት ተጓዓዝቲ ቀዳምነት ዝህቦ ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ'ሎ።

ኣብ መጋቢት 2019፡ ናብ ኬንያ ትበርር ዝነበረት ቁጽሪ በረራኣ ET302 ዝነበረ ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሕሪ ምብጋሳ ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ከባቢ ከተማ ቢሾፍቱ ብምሕምሻሻ ኣብኣ ዝነበሩ ኣባላት በረራ ዝርከብዎም 157 ሰባት ብምልኦም ሂወቶም ሓሊፉ። መብዛሕቶም'ውን ሬሳኦም ክርከብ ወይ ክልለ ኣይክኣለን።

ኣቐዲሙ'ውን ተመሳሳሊት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢንዶኖዥያ ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ነይሩ'ዩ።

ድሕሪ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን፡ ብዙሓት መንገዲ ኣየራት ነታ ጸገማት ዝነበራ ነፋሪት ካብ በረራ ኣጊደንኣ ነይረን።

ኣመሪካዊ ትካል መፍረ ነፈርቲ ቦይንግ እታ ነፋሪት ጸገም ከምዝነበራ ብምእማን፡ ኣድላዪ ጽገናታት ከምዝገበረላ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ከቢድ ነቐፌታ ዝወረዶ ኩባንያ ንቤተሰብ ግዳያት ሓደጋ ይቕሬታ ብምሕታት ካሕሳ ክኸፍል ምግዳዳዱ ይፍለጥ።

ዋና ኣካያዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዓለምለኻውያን ተቖጻጸርቲ ድሕነት በረራ ብዛዕባ'ታ ብዙሕ ምምሕያሻት ዝተገብረላ ውሕስነት ስለዝሃቡ ናብ በረራ ክትምለስ ከምዝወሰኑ ተዛሪቡ።

ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ 36 መንገዲ ኣየራት'ውን ነታ ነፋሪት ናብ በረራ ከምዝመለሳ ኣቶ ተወልደ ጠቒሱ።

እታ ነፋሪት ቅድሚ ናብ ንጡፍ ስራሓ ምምላሳ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓያሎ ናይ ፈተነ በረራታት ከምዘካየደት ተፈሊጡ።

'ፍላይት ራዳር 24' ዝተባህለ ንበረራታት ዓለም ዝቆጻጸር ኣካል፡ ነቲ ናይ ፈተነ ይኹ ንናይ ሎሚ በረራታት ናይታ ነፋሪት ኣረጋጊጹ'ሎ።

እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ 4 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ከምዘለውኦ ይፍለጥ። ቅድሚ ሓደጋ ምግጣሙ ድማ 15 ተወሰኽቲ ማክስ 8 ክስራሓሉ ኣዚዙ ነይሩ'ዩ።

ቦይንግ 737 ማክስ 8 ካብተን ኣዝየን ምዕቡላት ዝብሃላ ዘመናውያን ነፈርቲ ተባሂላ'ያ ትግለጽ።

በሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ምቁራጽ በረራታት፡ ዝበዝሓ መንገዲ ኣየራት ዓቢ ክሳራ'ኳ እንተወረደን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን ብዘይክሳራ፡ ሰራሕተኛታቱ ዓቂቡ ክቕጽል ከምዝኸኣለ ይገልጽ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ሓሙሽተ ኣህጉራት ዝበርር ኮይኑ፡ 16 ኤይርባስ A350-900 ከምኡ'ውን 19 ቦይንግ B787-8 ዝርከብአን 130 ነፈርቲ ከምዘለዎ ይግለጽ።