70 ዓመታት ብዘይ ፍቓድ መምርሒ መኪና ዝዘወረ ሰብኣይ ናብ ሕጊ ክቐርብ እዩ

ሚኒ ዋን

ምንጪ ስእሊ, Bulwell, Rise Park and Highbury Vale Police

መግለጺ ስእሊ, እቲ ወዲ 80 ዓመት ሰብኣይ ረቡዕ ምሸት እዩ ተታሒዙ
Published

ሓደ ሰብኣይ ንልዕሊ 70 ዓመታት ብዘይ ፍቓድ መምርሕን ውዕል መድሕንን (ኢንሹራንስ) መኪና ክዝውር ምጽንሑ ድሕሪ ምዝራቡ ክሲ ተመስሪቱሉ።

ፖሊስ ኖቲንግሃምሻይር ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ኣብ 80ታት ዕድመ ዝርከብ ሰብኣይ ረቡዕ ምሸት ኣብታ ከተማ ምስ ሓዞ እዩ እቲ ጉዳይ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ 1938 ዝተወለደ ሰብኣይ ካብ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረሉ ጀሚሩ ብዘይ ፍቓድ መምርሒን ኢንሹራንስን ከምዝዘወረን ፖሊስ ደው ኣቢልዎ ከምዘይፈልጥን ተዛሪቡ።

ሽዑ ንሽዑ ሕጊ ምጥሓሱን መቕጻዕቲ ከምዘለዎን ዝገልጽ ሰነድ ክወሃቦ እንከሎ እታ መኪና ተቐዪዳ።

ፖሊስ ኖቲንግሃምሻይር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እታ መኪና ውዕል መድህን ከምዘይብላ ምስተፈለጠ ደው ከምዘበሎ ሓቢሩ።

እቲ ሰብኣይ ብዘይ ፍቓድ መምርሒ መኪና ብምዝዋሩን ብዘይ ውዕል መድህን ብምዝዋሩን ናብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርብ ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ።

ኢንስፔክተር ፖሊስ ክሪስቲን ባሱቲል “ቀጻሊ ኣብ ሓለዋ ከምዘሎና፡ ካሜራ ዝተገጠመን መካይን ከም እንጥቀምን ነቶም ኣብ ጽርጊያ ሕጊ ዝጥሕሱን ንኻልኦት ኣብ ንሓደጋ ዘቃልዑን ኣሽከርከርቲ ከም እንሕዝ ንህዝቢ ክነረጋግጽ ንደልይ” ኢላ።

ፖሊስ ቡልዌል፣ ራይዝ ፓርክን ሃይበሪ ቬልን ብፌስቡክ ኣብ ዝዝርግሖ ሓበሬታ “ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ” እቲ ሰብኣይ ሓደጋ ፈጺሙ ኣይፈልጥን እዩ ኢሉ።

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ “ኣብ ኖቲንግሃም ካሜራታት ብብዝሒ ተተኺሉ ብምህላው፡ ብንእሽቶ ነገር’ውን ኣብ ዓይኒ ካሜራ ናይ ምእታው ተኽእሎ ኣሎ፤ ስለዚ ወረሩ ምሉእ ሰነዳት ከምዘለኩም ኣረጋግጹ” ይብል።