ስዑዳዊ በጻሒ ሃገር ኣብ ኡጋንዳ ብሓራምዝ ተረጊጹ ከምዝሞተ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ኡጋንዳ ዑደት ዝገብር ዝነበረ ስዑዳዊ በጻሒ ሃገር ብዕስለ ሓራምዝ ተረጊጹ ከምዝተቐተለ ተሓቢሩ።
እቲ በጻሒ ሃገር ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ይንቀሳቐሱላ ካብ ዝነበረት መኪና ወሪዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግዳይ መጥቃዕቲ ሓራምዝ ኮይኑ ተባሂሉ’ሎ።
ንሱ ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ነቲ ሙርቺሶን ብዝብል ዝፍለጥ ብሄራዊ ፓርክ ኣቋሪጾም ናብ ከተማ ኣሩዋ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን’ዩ እቲ ሓደጋ በጺሕዎ።
ምስ መሓዙቱ ቁሩብ ዕረፍቲ ክወስዱ ብዝብል ካብ ዝነበሩላ መኪና ከምዝወረዱ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።
ሽዑ እቶም ብዕስለ ዝመጽኡ ሓራምዝ ብቑጠዐ ከጓይይዎም ከምዝጀመሩን እቶም በጻሕቲ ዓዲ ድማ ናብ መኪንኦም ከምዝሃደሙ ተገሊጹ።
እቲ በቶም ሓራምዝ ተረጊጹ ዝሞተ ስዑዳዊ ግን ኣርሒቑ ከይዱ ብምንባሩን ናብታ መኪና ብቕልጡፍ ተመሊሱ ከርክብ ብዘይምኽኣሉን’ዩ ንሞት ተቓሊዑ።
ብሰሉስ 25 ጥሪ 2022 ምሸት ዘጋጠመ ሓደጋ ብሰፊሕ ክዝረበሉ ዝጀመረ ግን ብረቡዕ’ዩ ነይሩ።
ሞት እቲ ስዑዳዊ በጻሒ ዓዲ ከምዘጋጠመ ዘረጋገጹ ሰበስልጣን እቲ ብሄራዊ ፓርክ፡ ኣብቲ ጉዳይ ተወሳኺ ምጽራይ ይካየድ ምህላዉ ገሊጾም ኣለዉ።
ከምዚኦም ዝበሉ ሓደጋታት ከየጋጥሙ ብዝብል ኣገደስቲ ጥንቃቐታት ተደንጊጎም ኣብ ግብሪ ከምዝጸንሑ ድማ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ብሄራዊ ፓርክታት ኡጋንዳ እንስሳት ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከምዘብጽሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት ክወጽኡ እዚ ንፈላማ እዋን ኣይኮነን። ቅድሚ ሎሚ’ውን ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ክግለጹ ጸኒሖም’ዮም።











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
