ኢትዮጵያ መምርሒ ኣመጋግባ ዕላዊ ክትገብር እያ ተባሂሉ

Published

አብ ኢትዮጵያ መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ፡ ድሕሪ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ዕላዊ ከምዝግበር ኣብ ኢንስቲትዩት መምርሒ ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ፡ ዳይረክተር ስርዓተ ምግብን ምርምር ስነ ምግብን ዶ/ር ማስረሻ ተሰማ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ምድላው ዝጸንሐ መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ ይጠናቐቕ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ዳይረክተር ብሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት ሚኒስትሪታትን ከምዝተዳለወ ሓቢሩ፡፡

ኣድላይነት እቲ መምርሒ ብዝምልከት ‘‘ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ሕብረተሰብ እንታይ እየ ክበልዕ ዘለኒ? እናበለ ብዙሕ ዝተምሃረን ዘይተምሃረን ይሓትት እዩ፤ ስለዚ እዚ ብዘላቕነት ንምምላስ’’ እዩ ክብል ዶ/ር ማስረሻ ኣረዲኡ።

እቲ መምርሒ ንምድላው ‘ሰፊሕ መጽናዕቲ’ ከምዝተኻየደ እውን ሓቢሩ፡፡

ዕድሚኦም ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ንዝኾኑ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ እንታይ ዓይነት ምግብን ኣመጋግባን ንጥዕና ከምዝሕግዝ ንምርዳእ ዝጠቅም እዩ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ባህላዊ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ እዩ ኢሉ፡፡

መምርሒ ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ እንታይ እዩ?

ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም ከምዝገልጾ፡ መምርሒታት ጥዑይ ኣመጋግባ ኣብ ሓደ ሃገር ጥዑይ ኣመጋግባን ኣገባብ መነባብሮን ንምህናጽ ዝወጹ እም፡፡

ኣብ ትሕዝቶታቶም ድማ ብመዳይ ስነ ምግቢ ጠቐምቲ ዝኾኑ ምግቢታትን ኣምጋግባን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ክልል ንዝርከቡ ዜጋታቶም ብመልክዕ ምኽረ ሓሳብ ዘቕርቡሉ እዩ፡፡

ብተወሳኺ ምግብን ሕርሻን ዝምልከት ዝርዝር እውን ዘካትት እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ጥዕና ንምድንፋዕን ሕማማት ንምክልኻልን ኣብ ዝሕግዙ ባእታታት ዝሓዙ ምግብታትን ኣመጋግባታትን ምኽረ ሓሳብ ይህቡ፡፡

ጸብጻብ እቲ ውድብ ከምዘመልክቶ ፡ ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ሃገራት ዓለም መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ ኣለወን፡፡

ኣብ ኣፍሪቃ ሸውዓተ ሃገራት እዚ መምርሒ ዘለወን ኮይነን ምስ ካልኦት ኣህጉራት እንትነጻጸር ዝተሓተ እዩ፡፡

ሃገራት ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሲሸልስ፣ ናይጄርያ፣ ቤኒን፣ ናሚብያን ሴራልዮንን መምርሒ ኣመጋግባ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን፡፡

ካብ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝነኣሰ ግዘ መምርሒ ጥዑይ ኣመጋግባ ዕላዊ ከምእትገብር ዝገለጸት ኢትዮጵያ፡ ሻምነይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ትጽቢት ይግበር፡፡