እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣሜሪካ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ንሓንቲ ቆልዓ ተኲስካ ብምቕታል ተኸሲሶም
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ምስ ቅትለት ሓንቲ ጓል ሸሞንተ ዓመት ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ክልተ ቆልዑ ከፊቶምዎ ንዝነበሩ ናይ ክሲ መዝገብ ብምስራዝ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ክሲ መስሪቶም።
እቶም ኣባላት ፖሊስ ብ 27 ነሓሰ 2021 ኣብ ፊላደልፍያ ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ከባቢ ናይ ተኵሲ ድምጺ ድሕሪ ምስምዖም'ዮም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረት መኪና ተኵሲ ከፊቶም።
እቶም ፖሊስ እቲ ጥርጡር ኣብታ መኪና ኣሎ ብዝብል ግምት ናብታ መኪና እኳ እንተተኮሱ፤ ኣብታ መኪና ዝነበረት ህጻን ፋንታ ብሊቲ ግዳይ ኮይና።
ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ክልተ ኮተቴታት ኣቐድም ኣቢሎም ንሓድሕዶም ብምትኳሶም ዝሰዓበ ምዃኑ እዮም ክምጉቱ ጸኒሐም።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ እቶም መንእሰያት ናይ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ቅትለት ክሲ ተመስሪቱ ነይሩ።
እቶም 16ን 18ን ዝዕድሚኦም መንእሰያት ነቲ "ሞት ዘስዓበ ፍጻመ ኣበጊሶም'ዮም" ብዝብል ክምጉቱ ዝጸንሑ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሞት ህጻን ፋንታ እቶም ኮተቴታት ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ኢሎም ነይሮም።
ሕጂ ግና እቲ ናይ ክሲ ፋይል ተሳሒቡ ኣሎ።
በዚ ድማ ኣባላት ፖሊስ ሻሮን ሂል ዝኾኑ ዴቨን ስሚዝ፣ ሲን ፓትሪክ ዶላንን ብራያን ጀምስ ዴቫኒን ብቕትለትን ሸለልትነትን ተኸሲሶም ኣለው።
ኣብቲ ከባቢ ጸጥታ ንምውሓስ ዝተዋፉ እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ከባቢ 42 ሜተር ርሕቐት ናይ ተኵሲ ድምጺ ኣብ ዝሰምዑሉ ቁሊሕ ምስበሉ ናብኣታቶም ገጻ እትመጽእ መኪና ብምርኣዮም ተኵሲ ከፊቶም።
እቶም ፖሊስ 25 ጠያይቲ ክትኩሱ እንከለው ኣብታ መኪና ዝነበሩ ፋንታን ጓል 12 ዓመት ሓፍታን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ተሃሪሞም።
ኣኽባር ሕጊ ዞባ ዴላዌር ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ቅትለት ዘስዓበ ጠያይቲ በቶም ፖሊስ ከም ዝተተኮሰ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ከምዝተረጋገጸ ተዛሪቡ።
ፋንታ ብሊቲ "በላሕ፣ ፍሕሽውቲ፣ ለዋህን ርእይ ኣቢልካ ባህታ እትፈጥረልካ ቆልዓ" ምንባራን ጠበቓ ስድራ ብሊቲ ተዛሪቡ።