እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ምኵራብ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ውልቀሰባት ነፃ ወጺኦም
ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ ዳላስ ኣብ ዝርከብ ምኵራብ ተዓጊቶም ዝነበሩ ኣርባዕተ ውልቀሰባት፡ ዋላ ሓደ ጉድኣት እንከይበፅሖም ከምዝተለቐቑ ተገሊፁ።
እቶም ሰባት ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ንጎሆ ካብ ዝተረኸብሉ ናይ ኣምልኾት መደብ ከምዝተዓገቱ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ፖሊስ ንተኸታታሊ 10 ሰዓታት ሓለዋ ከካይድ ፀኒሑ።
ፖሊስ፡ ሻቡ ፍሉይ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ብምልኣኽ ነገራት ንምህዳእ ዝፈተነ እንትኾን፡ ኤፍቢኣይ’ውን ብተደራደርቱ ኣቢሉ ምስቶም ዓገትቲ ይዘራረብ ኔሩ።
እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ቅድሚ ምልቃቖም ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ነትጕን ተኹስን ይስማዕ ኔሩ። ኣብ ሞንጎ እዚ እቲ ዓጋቲ ከምዝሞተ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ኣሜሪካ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ኣርባዕተ ሰባት፡ እቲ ሓደ ናይ ሃይማኖት ኣቦ ከምዝኾነ ፀብፂበን።
እቲ ዓጋቲ ሃንደበት ኣትዩ ንሰባት ከፈራርሕ እንከሎ፡ እቲ ናይ ኣምልኾ ስነ-ስርዓት ብኢንተርኔት ብቐጥታ ይምሓላለፍ ነይሩ።
ካብ ሞንጎ እቶም ዝተዓገቱ ሰባት፡ እቲ ፈላማይ ውልቀሰብ ድሕሪ ሽድሽተ ሰዓታት ብዘይገለ ጉድኣት ዝተለቐቐ እንትኾን፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ ድሕሪ ሰዓታት ብፖሊስ ተዓጂቦም እንትወፁ ተራእዮም።
ዋላ እኳ ነቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ነፃ ዘውፅእ ጉጅለ ፖሊስ ሰይሩ ዝኣተወ እንተኾነ፡ እቲ ዓጋቲ ብኸመይ ኩነታት ከምዝሞተ ዝተፈለጠ ነገር የለን።
እቲ ዓጋቲ ናብቲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ከምዝኣተወ ምስተፈለጠ፡ ሻቡ ንሻቡ ፖሊስ ናብቲ ከባቢ በፂሑ።
ኣብቲ ብኢንተርኔት ብቐጥታ ይሓልፍ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ኣምልኾት፡ ሓደ ሰብ ኣትዩ ድምፁ ዓው ኣቢሉ እንክዛረብ የርእይ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ “ንሓፍተይ ብስልኪ ኣራኽቡኒ፣ ኣነስ ምሟተይ ኣይተርፍን” ክብል ይስማዕ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ “ኣብ ኣሜሪካ ዝኾነ ፀገም ኣሎ” ክብል ተሰሚዑ። ድሕሪ እዚ እቲ ናይ ቀጥታ ፈነወ ተቛሪፁ።
እቲ ዓጋቲ፡ ፓኪስታናዊ ኒሮሳይንቲስት ዓፊያ ሲዲቂ ክፍታሕ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሓቲቱ።
ፓኪስታናዊ ዓፊያ ሲዲቂ፡ ንወተሃደራት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ክቐትል ፈቲኑ ብዝብል፡ 86 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ’ዩ ዝርከብ።