5ጂ ኔትወርክ ዝጥቀማ ሓደሽቲ ሞባይልኩም ብኸመይ ንበረራታት የተኣጓጉላ?

Published

10 መንገዲ ኣየራት ኣሜሪካ ከምዝሓበርኦ፡ ሓድሽ ቴክኖሎጂ 5ጂ (ሓምሻይ ወለዶ) መንቀሊ ምድንጓይን ምቁራጽን ኣሽሓት በረራታት ክኸውን ይኽእል’ዩ።

5ጂ ንኣቬሽን ኣሜሪካ ብኸመይ የተኣጓጉሎ?

እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ብሬድዮ ሲግናላት ኣቢሉ’ዩ ዝሰርሕ።

ኣብ ኣሜሪካ ን5ጂ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ናይ ሬድዮ ፍሪኴንሲታት ኣካል ናይቲ ሲ-ባንድ (C-Band) ብዝብል ዝፍለጥ ዝርጋሐ-ብርሃን (ስፔክትረም) እዮም።

እቶም ፍሪኴንሲታት ድማ ምስቲ ኣብ ነፈርቲ ዘሎ ሬድዮ ኦልቲሜትር (ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ዘሎ ብራኸ እትዕቅን መሳርሒ) ዝጠቀመሉ ፍሪኴንሲ ዝተቐራረቡ እዮም።

ስለዝኾነ ከኣ እቲ ካብ 5ጂ ዝፍጠር ምትእጉጓል ነቲ ኦልቲሜተር ዝተባህለ መሳርሒ ብዝግባእ ኸይሰርሕ ክገብሮ ከም ዝኽእል’ዩ ዝስጋእ።

በዚ ድማ ብፍላይ ነፈርቲ ናብ መሬት ኣብ ዝዓልባሉ እዋን ስግኣት ድሕነት በረራ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ክብደት እቲ ሓደጋ ክሳብ ክንደይ’ዩ?

እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ከቢድ ወይ ዘሻቕል ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎ።

በዓል መዚ ቁጽጽር ኣቪየሽን ኣሜሪካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ 5ጂ ብፍላይ ኣብተን 787 ድሪምላይነር ዝበሃላ ነፈርቲ ክፈጥሮ ዝኽእል ጽልዋ ሰፊሕ ከምዝኸውን ኣእንፊቱ ነይሩ።

እታ ነፋሪት ኣብ እትዓልበሉ እዋን ናህራ ክንትንከይ ንምቁጽጻር ከም ዘጸግምን ካብቲ ኣብ መሬት ዘሎ መንገዳ ስሒታ ክትወጽእ ከም ዝገብርን ድማ ኣረዲኡ’ሎ።

5ጂ ኣብ ሞንጎ ዝኣትወሉ ኩነታት ኣብ ዝህልወሉ እዋን ንሬድዮ ኣልቲሜትርስ ኦልቲሜትር ምጥቃም ኣይከኣለን።

በዚ ምኽንያት ገለ ነፈርቲ ንኽዓልባ ክጽገማ ይገብረን፤ ምኽንያቱ ንጹር ዝኾነ ምስሊ ንምርኣይ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን።

ን10 ዓበይቲ መንገዲ ኣየራት ዝወከሉ ኩባንያታት ኣብ ዘሕለፍዎ መጠንቀቕታ፡ እዚ ኩነታት ልዕሊ 1000 በረራታት ክደናጎዩ ወይ ክስረዙ ከገድድ ከም ዝኽእል ገሊጾም ኣለዉ።

5ጂ ዝጥቀማ ሃገራት እዚ ስግኣት ይጸልወን’ዶ?

ነዚ ዝወሃብ ሓጺር መልሲ “ብማዕረ ኣይጸልወንን” ዝብል ይኸውን።

ምኽንያቱ እተን ሃገራት ንቴክኖሎጂ 5ጂ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ዓቕሚ ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለየ’ዩ።

ንኣብነት ኣብ ኣውሮጳ ዘለዉ ኔትወርክ ነቲ ናይ 5ጂ ፍሪኴንሲ ካብቲ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ዝሓስብዎ ብዝነከየ መጠን’ዮም ዝጥቀሙሉ።

እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ፍሪኴንሲታት (ማዕበል ኣየር) ዝህሉ ምትእትታው ወይ ናይ ምልታም ሓደጋ ይንክዮ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ ገለ ሃገራት ነቲ ሓደጋ ዝንክዩ ስጉምትታት ወሲደን ኣለዋ።

ንኣብነት ፈረንሳ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኔትወርክ ኣብ ዙርያ መዕርፎ ከይዝርጋሕ ገዲባ’ላ። ነቲ ምትእትታው ሲግናላት ዝከላኸል ኣንቴናታት ክሳብ ምትካልእ’ውን ተበጺሑ’ሎ።

በዓልመዚ ኣቪየሽን ኣሜሪካ ድማ ንግዚኡ ኣስታት 50 መዕርፎ ነፈርቲ ካብቲ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ነጻ ክኾና ከም ዝገበረ ተፈሊጡ።

ኣብ ገለ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ኣብ ክንዲ ኣልቲሜትር ንቴክኖሎጂ ጂፒኤስ ምጥቃም ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዞም ስጉምትታት እኹላት ከም ዘይኮኑ ጥርዓን ዘቕርባ ዘለዋ መንገዲ ኣየራት ግን ሓድሽ ቴክኖሎጂ 5ጂ ክሳብ 2 ማይል (3.2 ኪሎ ሜትር) ርሕቐት ኣብ ረብሓ ከይውዕል ኣብ ምጉስጓስ ይርከባ።

5ጂ ዘቕርባ ኩባንያታትከ እንታይ በላ?

‘ቨላይዞን’ን ኤቲ ኤንድ ቲ’ን ዝተባሃላ ኩባንያታት ቅድም ክብል እውን ንዝርግሐ 5ጂ ክልተ ጊዜ ከናውሓ ተገዲደን ነይረን’የን።

ሎሚ ድማ ኣብተን ዝተጸለዋ መንገዲ ኣየራት ንዝተደንገገ ነጻ ክልል ቅቡል ገይረን ኣለዋ።

ቴክኖሎጂ 5ጂ ኣብ ኣስታት 40 ሃገራት ከምዝተዘርግሐ ይሕብራ።

‘ሲቲኣይኤ’ ዝተባሃለ ኩባንያ ግን ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ምትእትታው ዝፍጠር ምድንጓይ ንቑጠባ ዝጸሉ ጉድኣት ክህልዎ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ መርገጺ ሒዛ?

እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብመዚ ዓባይ ብሪጣንያ ከምኡ’ውን መገዲ ኣየራት በዚ ኩነታት ብዙሕ ዝተሻቐሉ ኣይመስሉን።

በዓል መዚ ኣቪየሽን እታ ሃገር ብሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ “ጦብሎቕታ 5ጂ ኣብ ስርዓት በረራ ነፈርቲ ምትእጉጓልን ዘይልሙድ ባህርያትን ከምዘምጽእ ብጭቡጥ ዘረድእ ነገር ኣይረኸብናን” ኢሉ ነይሩ።

ተወሰኽቲ መረዳእታት ንምእካብ ከምዝሰርሑ’ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።