ፕረዚደንት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዴቪድ ሳሶሊ ኣብ 65 ዓመቱ ሞይቱ

ዴቪድ ሳሶሊ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ፕረዚደንት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዴቪድ ሳሶሊ ኣብ መበል 65 ዓመቱ ከምዝሞተ ወሃቢ ቃሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ድሕረ ባይትኡ ጋዜጠኛ ዝኾነ ኢጣልያዊ ፖለቲካኛ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣዝዩ ሓሚሙ ከምዝነበረን ዝኾነ ኢፊሳላዊ ስራሕቲ ኣቋሪጹ ከምዝቐነየን ተገሊጹ።

ሚስተር ሳሶሊ ምስ ተፈጥሮኣዊ ምክልኻል ሕማም ሰብነቱ ብዝምልከት ገዚፍ ጸገም ኣጋጢምዎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኣትዩ ከምዝቐነየ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ናቱ ወሃቢ ቃል ዝኾነ ሮቤርቶ ኲሎ ኣብ ትዊተሩ ከምዝበሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣቭያኖ ኣብ ዝተብሃለ ሆስፒታል ክንክን እናተገበረሉ ምስ ቀነየ ሎሚ ሰሉስ ንጎሆ ዓሪፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ብምኽንያት ኒሞንያ ናብ ሆስፒታል ኣትዩ እነተነበረ'ኳ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንሰዓብቱ ካብ'ቲ ሕሱም ስቓዩ እናሓወየ ከምዝነበረ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ስሩዕ ስርሑ ጀሚሩ ነይሩ።

እንተኾነ ሓደ ናይ ኢጣልያ ሚድያ ከምዘጸብጸቦ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 26 መሊሱ ናብ ሕክምና ክኣቱ ክኢሉ።

ንሱ፡ ደጊሙ ክምረጽ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ ዝነበረ ኾይኑ፡ ንዕኡ ንምትካእ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መረጻ ክካየድ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።

እቲ ስሙይ ኣንባቢ ዜና ዝነበረ: ኣብ 2019 ናይቲ 705 ኣባላት ዘለውዎ ፓርላማ ኣውሮጳ ፕረዚደንት ኾይኑ ተመሪጹ።

ንሱ፡ ነቲ ፓርላማ ዝመርሐ ካልኣይ ኢጣልያዊ እዩ ነይሩ።

እዚ ስልጣን ካብቶም ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ዓበይቲ ሓላፍነታት ሓደ እዩ።

ሳሶሊ፡ ንሰለስተ ተነሓናሕቱ ምስ ሰዓረ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ናብቲ መስረትቲ ኣቦታት ዘንጸፍሉ መንፈስ ክምለስ ኣለዎ ዝብል ዘረባ ኣስሚዑ ነይሩ።

እቶም መስረትቲ ኣቦታት ኣብ ክንዲ ኲናትን ብሄርተኝነትን ሰላምን ማዕርነትን ኣስፊኖም ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ጋዜጠኛ ኾይኑ ዝሰርሐ ሳሶሊ፡ ኣብ 2009 እዩ ኣባል እቲ ፓርላማ ኾይኑ።

ኣባል 'ሕብረት ገስሰገስቲ ሶሻሊስትን ዲሞክራስያውያንን' ዝተብሃለ ዓቢ ቦታ ዘለዎ ሰልፊ ኾይኑ እዩ ናብቲ ባይቶ ተጸምቢሩ።

ብዙሓት መራሕቲ በቲ ናይቲ ፕረዚደንት ሞት ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ ይርከቡ።

ፕረዚደንት ቤት-መኽሪ እቲ ሕብረት ቻርለስ ማይክል፡ ንሚስተር ሳሶሊ 'ፍቱውን ዓቢ ተስፋ ዝነበሮ ኣውሮፓዊን' ክብል ገሊጽዎ።