ሕብረት ኣውሮጳ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንሰደድ ከይግበር ዝኽልክል ሕጊ የተኣታቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ሕብረት ኣውሮጳ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንሰደድ ከይግበር ዝኽልክል ሕጊ የተኣታቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብተን ኣባላት ሃገራት ዝፈሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ናብ ወጻኢ ሰደድ ከይግበር ዝኽልክል ሕጊ የተኣታቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕጊ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ትካላት ኣፍረይቲ ክታበት ኮሮናቫይረስን ናብ ደገ ሰደድ ከይገብሩ ስልጣን ዝሃበ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

“ሓለዋን ድሕነትን ዜጋታትና ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ’ዩ፣ እቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ናብ ተግባር ካብ ምእታው ካልእ ኣማራጺ የብልናን” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ከተኣታትዎ ዝሓስቦ ዘሎ ሕጊ ኣብ መላእ ዓለም ንኣስታት 100 ሃገራት ክሃሲ ከምዝኽእል ይግመት።

ካብ ምዕቡላት ሃገራት ኣመሪካ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳን ሓዊስካ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ከምዝጉዳኣ ይግለጽ።

ሕብረት ኣውሮጳ ምቁጽጻር ሰደድ ክታበት ኮሮናቫይረስ ግዝያዊ እምበር ምሉእ ምሉእ ሰደድ ዝኽልኽል ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ'ሎ።

እንተኾነ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ውሳኔ ሕብረት ኣውሮጳ ንሃገራት ዓለም ብተዘዋዋሪ ክጸልወን ከምዝኽእል ነቒፊዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተቖጻጸርቲ መድሓኒት ሕብረት ኣውሮጳ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣስትራዘኒካ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ኣጽዲቑ።

ክታበት ኣስትራዘኒካ ኣብ ቤተ ፈተነ እንከሎ 60 ሚእታዊት ብቕዓት ከምዘለዎ ትካል መድሓኒት ኣውሮጳ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምዕዳግ ምስ ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ ኣፍራይ ክታበት ውዕል ተፈራሪሙ ነይሩ። እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ትካል ኣስትራዘኒካ 400 ሚልዮን ክታበት ንምግዛእ ተሰማሚዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሓላፊ ትካል ኣስትራዘኒካ ፓስካል ሶርዮት ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ገለ ፋብሪካታት ፍርያት ክታበት ግዝያዊ ጸገም ኣጓኒዎ ከምዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ “ብዛዕባ ፍርያት ክታበት ስነ ህይወት ኢና እንዛረብ ዘለና እምበር ብዛዕባ ፍርያት ጽሟቕ ኣራንሺ ኣይኮናን ነውግዕ ዘለና” ኢሉ።

ኣስትራዘኒካ ናብ ሕብረት ኣውሮጳ ንምጉዓዝ ዝተዳለወ ብሚልዮናት ዝቑጸር ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዘለዎን ዓቕሙ ንምዕባይ ድማ ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ወሲኹ ገሊጹ።

ኮምሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መወዳእታ ንክታበት ኣስትራዘኒካ ምሉእ ኣፍልጦ ሂብዎ ኣሎ።

ኮሮና