ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ኤርትራውያን ተቐቲሎም

Published

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ስደተኛታት እቶም ክልተ ህፃናት ከምዝኾኑ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ'ውን ሓቢሩ።

ሓይልታት መንግስትን ሓይልታት ትግራይን መሰል ሲቪላውያን ከኽብሩ ድማ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ ኣሎ።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ስደተኛታት ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን ኢሉ።

ብረቡዕ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ድሮን መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎን ሲቪላውያን ዕላማ ይኾኑ ምህላዎምን ከሲሱ ነይሩ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለን ዝተፈላለዩ ለልኦት ከባብታት ትግራይን ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ እታ ሃገር ንዝገብሮ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንመሰልጠኒ ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ከምዝገብር እዩ ዝገልፅ።

ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈፀሙ ተደጋገምቲ ናይ ኣየርን ድሮንን መጥቃዕትታት ብዙሓት ከምዝሞቱን ንብረት ከምዝዓነወን ሰብሞያን መሰኻኽር ዓይንን ንቢቢሲ ምግላፆም ይዝከር።

እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መንበሪ ቤቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ።

ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክበፅሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ብተደጋጋሚ ምሕታቶም ይፍለጥ።

እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምኳኑ ገሊፆም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ውግእ ከምዘሎ ይግለፅ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ትግራይ ናይ ኣየርን ድሮንን መጥቃዕትታት ከካይድ ምፅንሑ ፀብፃባት ይሕብሩ።