ቺለ፡ ኣርባሕቲ ንህቢ ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ ኣባላት ፖሊስ ብንህቢ ተነኺሶም

ኣባላት ፖሊስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ሃገረ ቺለ፡ ኣርባሕቲ ንህቢ ኣብ ዘካየድዎ ተቓውሞ ኣባላት ፖሊስ ብንህቢ ከምዝተነኽሱ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቶም ኣርባሕቲ፡ መንግስቲ ንጽላቶም ደገፍ ክገብር ንምጽዋዕ'ዮም ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ተቓውሞ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት ቆፎታት ንህቦም ሒዞም'ዮም ናብቲ ቦታ መጺኦም ነይሮም።

ነቲ መንገዲ ዓጽዩ ዝነበረ ቆፎታት ካብቲ ቀጽሪ ክኣልዩ ዝፈተኑ ብውሕዱ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ድማ ብንህቢ ተነኺሶም ተባሂሉ።

ኣብታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ደርቂ፡ ኣብ ምጭታት መግቢ ንህቢ ዝኾኑ ዕንባባታትን ኣእካልን ከቢድ ሃስያ ኣስዒቡ ምህላዉ ይንገር።

ነቲ ኣጋጢምዎም ዘሎ ብድሆታት ንምርኣይ፡ እቶም ኣርባሕቲ ኣስታት 10 ሽሕ ንህቢ ዝሓዙ 60 ቆፎታት ኣብ ፊት ቤተ-መንግስቲ ብምምጻእ፡ ፖሊስ ንተቓውሞኦም ከምዘይብትኖ ክገብሩ ፈቲኖም።

ኣብ መወዳእታ ግን ኣርባዕተ ካብኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም ኣለዉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሓደ ካብቶም ሰልፈኛታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሞት ዕሰለታት ንህቢ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ኣዝዩ ዘሕዝን ምዃኑ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኣብ ዋጋታት መዓር ምምሕያሽ ክገብር፡ እንተዘይኮይኑ ድማ፡ ንኣርባሕቲ ድጎማ ክህብ'ዮም እቶም ሰልፈኛታት ዝጠልቡ ዘለዉ።

ሰብመዚ ሕርሻ እታ ሃገር ብወገኖም፡ መረረታት ናይቶም ኣርባሕቲ ከምዝርድእዎ ብምግላጽ፡ ነቲ ጸገም ንምቅላል ን20 ማሕበረኮማት ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ደገፍ ክገብሩ ምጽንሖም ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ቦታ ተቓውሞ ካብ ቆፍኦም ዝወጹ ንህቢ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ነበርቲ እታ ከተማ ሻቕሎት ከምዝፈጠርሎም ጸብጻባት ገሊጾም።

"ብፍላይ ነቶም ኣለርጂ ዘለዎም ሰባት ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ፡ ምኽንያቱ ሞት ከስዕብ ስለዝኽእል" ክብል ሓደ ነባሪ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ መላእ ዓለም መጠን ብዝሒ ንህቢ ብሰንኪ ምንቁልቋል ማሕድሮ፡ ብከላ፡ ጸረ-ባልዕን ካልእ ረቛሒታትን ክንኪ ምጽንሑ ይፍለጥ።