ኣብ ቤተ-መቅደስ ህንዲ ብዝተፈጠረ ምጽቕቓጥ 12 ሰባት ሞይቶም

Published

ኣብ ህንዲ ሽሪ ማታ ቫይሽኖ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ሂንዱ ቅዱስ ቦታ ኣብ ሓድሽ ዓመት ብዝተፈጥረ ምጽቕቓጥ (ህዱድታ) ብውሕዱ 12 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣብቲ ክስተት፡ ኣስታት 12 ከሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ኣብ ቤተ መቅደስ ቫይሽኖ ዝተለዓለ ዕግርግር ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዘይምርድዳእ እዩ ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝበጽሐ ሓደጋ ከምዝሓዘነ ተዛሪቡ። በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ድማ ቀልጢፎም ክሓውዩ ተመኒዩ።

በብዓመቱ ኣብ ሓድሽ ዓመት ብዓሰርተ ሽሓት ዝቑጸሩ ህንዳውያን ነዚ ቤተ መቅደስ ይርእዩ።

እቲ ቤተ መቅደስ ኣብ ህንዲ ካብ ዝርከቡ ቅዱስ ስፍራታት ሓደ ከምዝኾነ ኣብ ከተማ ደልሂ ዝርከብ ወኪል ቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰብ ስልጣን እቲ ከባቢ፡ ናብቲ ከባቢ ዝመጽኡ ብዝሒ ኣጋይሽ መዓልታዊ ልዕሊ 25 ሽሕ ከይኸውን ኣዚዞም ነይሮም።

እንተኾነ፡ ካትራ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቅደስ፡ ካብቲ ዝተፈቕደ ልዕሊ ፍርቂ ተረኺቡ ነይሩ።

ኣብቲ ብቀዳም ዝበጽሓ ሓደጋ፡ ብውሕዱ 16 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖም መራኸብቲ ብዙሃን ይገልጹ።

ዛጊድ ነቲ ዝበጽሓ ሓደጋ ዝምርምር ጉጅለ ኣይተጣየሰን። ኣብ ህንዲ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ምጽቕቓጥ (ህዱድታ) ክረኣይ ዝተለምደ እዩ።