ኣብ ሱዳን ብሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሱዳን ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትማሊ ሓሙስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣኑ ንሲቪላውያን ከረክብ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምክያድ ካብ ዝጅምሩ ሳምንታት ተቖጺሮም ኣለው።
ብመሰረት ሓበሬታ ጉጅለ ሓካይም ሱዳን እቶም ኣርባዕተ ሰባት ዝተቐትሉ ብሓሙስ ኣብ ኦምዱርማን ኣብ ዝተካየደ ሰልፊ ተቓውሞ እዩ።
መንግስቲ ነቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ንምቁጽጻር ብዝሒ ዘለዎም ሓይልታት ጸጥታ ከዋፍር እንከሎ፡ ናይ ቴለፎንን ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ድሕሪ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብዝተጉሃሃረ ተቓውሞ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ።
ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ስልጣን ንዝሓዘ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝቃወሙ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልቡ ሱዳናውያን ተኸታታሊ ሰልፍታት ተቓውሞ ይገብሩ ኣለው።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱምን ኣብ ካልእ ከባቢታትን ሱዳን ንሰራዊት ዝቃወምን ሲቪላውያን መራሕቲ ስልጣን ክርከቡን ዝጠልብ ሰልፍታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ብፍላይ ኣብ ካርቱም ሓይልታት ጸጥታ እኳ እንተተዋፈሩ፡ ሰልፈኛታት ድምጾም ንምስማዕ ናብ ኣደባባያት ካብ ምውጻእ ኣይተቖጠቡን።
ብሓሙስ ኣብታ ጥቓ ካርቱም ኣብ እትርከብ ኦምዱርማን ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኣርባዕተ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ጉጅለ ሓካይም ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ’ውን ተገሊጹ።
እቶም ሰልፈኛታት ናብታ ርእሰከተማ ከይኣትው ንምክልኻል ናብ ካርቱም ዘሳግሩን ኣብ ኣብ ፈለግ ኒል ዝርከቡን ድልድላት እንተወሓደ ብኽልተ ዓበይቲ ናይ ንብረት መጉዓዓዚ ኮንተይነራት እቲ መገዲ ከምዝዕጾ ከምዝተገበረ ይንገር።
እቶም ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ክወርድን እቲ ሰራዊት ካብ ፖለቲካ እታ ሃገር ክስሕብን ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ግና ነቲ መኸልከሊ ብምጥሓስ ናብ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝተቓረቡሉ ብፖሊስ ተበቲኖም።
ብመሰረት እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ገለ ኣዋርሕን ብዝተበጽሐን ዘይተተግበረን ስምምዕ ነቲ ዕልዋ ዝመርሐን መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ዝኾነን ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣኑ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንሲቪላውያን ከረክብ ነይርዎ።
እቲ ጀራል ነቲ ዕልዋ ዝፈጸመ፡ ፖለቲከኛታት ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ የለዓዕሉ ብምህላዎም ኲናት ሓድሕድ ከይክሰት ንምክልኻል ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ስጉምቲ ግቡእ ምዃኑ የረድእ።
ሱዳን ኣብ መስርሕ ምስግጋር ከምዘላ ዝሕብር እቲ ጀነራል፡ ነታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ድልው ምህላው ብምግላጽ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምርጫ ከምዝካየድ’ዩ ተዛሪቡ።
ድሕሪ እቲ ዕልዋ ጸኒሑ ናብ ስልጣኑ ምስ ዝተመለሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምርጫ ክሳዕ ዝካየድ ናይ ሞያውያን ካቢነ ከምዝህሉ ተገሊጹ እዩ።
እንተኾነ ግና እቲ ሓድሽ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣዘዝቲ ሰራዊት ስለዝኸውን ነታ ሃገር ኣብ ዝመርሓሉ እዋን ዝህልዎ ስልጣን ንጹር ኣይኮነን።
ንኣዋርሕ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምቅዋም ኣብ ጎደናታት ሱዳን ብምውጻእ ድምጾም ከስምዑ ዝጸንሑ ሱዳናውያን ግና ኣብቲ ሰራዊት እምነት ከምዘይብሎምን ንዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ፈጺሞም ኣይቕበሉን።
ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ኣልበሽር ብህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታው ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ እኳ እንተተመስረተ፤ ኣብ መንጎ ወተሃደራውን ሲቪላውያንን መራሕቲ ምርድዳእ ከይተፈጠረ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ብጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ከኣ ነቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኣብኢስዎ ይርከብ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
