ኮንጎ፡ ስለምንታይ'ዩ ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኣትዩ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ዘሎ?

ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ዲኣርሲ

ምንጪ ስእሊ, Ugandan army

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ዲኣርሲ
Published

ሰራዊት ኡጋንዳ ንካልኣይ ግዜ ንምዕራባዊ ዶባቱ ብምስጋር ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣትዩ ኣሎ።

ሰራዊት ኡጋንዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናብ ዶብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ግፍዕታት ፈጺሞም ከምኡ ኸኣ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት እታ ሃገር መዝሚዞም ተባሂሎም ብዙሕ ነቀፌታታት እዩ ዘኒብዎም።

እዚ ሕጂ ዶቦም ሰጊሮም ዝኣትውዎ ዘለዉ ግን ብሰናይ ፍቃድ መንግስቲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ [ዲኣርሲ]ኮንጎ እዩ።

ሰራዊት ኡጋንዳ ንምንታይ እዩ ኣብ ዲኣርሲ ዘሎ?

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ፡ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰዱ ዕጡቓት "ንኹሎም ዝህቦ ማዕዳ፡ ባዕሎም መጺኦም ኢዶም እንተዘይሂቦም ክቕተሉ'ዩም" ኢሉ።

እዚ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ነቶም ዕጡቓት ናብቲ ዘለዉዎ ክኸዶም ምዃኑ ኣንፈት ዝህብ ዘረባ እዩ።

እቲ ኣብ 16 ሕዳር ኣብ ክልተ ቦታታት ዝተፈጸመ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ሰለስተ ካብቶም ዕጡቓት ነብሶም ብምቕታል ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ለኪሞም።

መንግስቲ ኡጋንዳ ነቲ መጥቃዕቲ እቲ ኣብ ኮንጎ ዝመደበሩ ኪዳን ዲሞክራስያዊ ሓይልታት [ኤዲኤፍ] እናተብሃለ ዝጽዋዕ እስላማዊ ጉጅለ ከምዝፈጸሞ ብምግላጽ፡ እቲ ጉጅል ገለ ክፋል ናይ ኣይኤስ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብግብረሽበራውያን ኣብ ካምፓላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብግብረሽበራውያን ኣብ ካምፓላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

ብሰሉስ ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ጫፍ ዶባቱ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኤዲኤፍ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ንጽባሓይቱ ኸኣ ኣማኢት ወተሃደራት ኡጋንዳ ዶብ ዲኣርሲ ክሰግሩ ተራእዮም።

መንግስቲ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ'ውን እቲ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅል ሓደ ካብቶም ኣብ ምብራቃዊ ክፋል እታ ሃገር ሰላም ዘሪጉ ዘሎ ሓይሊ እዩ ብምባል፡ ሰራዊት ኡጋንዳ ብሰናይ ፍቃድ መንግስቲ ዶብ ከምዝሰገሩ ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ 2000 ኣቢሉ ዝተመስረተ ኢዲኤፍ ናብ ዶብ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብምስጋር ብውሕዱ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ዓድታት ክዘምት፡ ሰባት ክቐትልን ብሓይሊ ንህጻናት ንውትህድርና ክኸትብን ምጽንሑ ይግለጽ።

እቲ ኵናት ክሳብ ክንደይ ከቢድን ሰፊሕን'ዩ?

ኣብታ ኣብ ዶብ ክልቲኣን ሃገራት እትርከብ ከተማ በኒ ዝነብር ሰብ፡ ኣብታ ከተማ ኮይንካ እቲ ድምጺ ናይ ቶኵሲ ከምዝስማዕ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ብርቱዕ ኵናት እዩ ዝካየድ ዘሎ፡ ሰራዊት ኡጋንዳ ብኣጋርን ብመካይን እዩ ኣትዩ፡ ድሮን'ውን ኣብ ሰማያት እናበረራ ተዓዚብና ኣለና" ኢሉ።

ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕጡቓት ኤዲኤፍ ከምዝቐተለ ሓቢሩ፡ ዘቕረቦ መርትዖ ስለዘይነበረ ግን ነቲ ሓበሬታ ከነረጋግጾ ኣይክኣልናን።

ኣብቲ መግለጺ፡ በቢክልተ ወርሒ ተመሳሳሊ መግለጺ ክህብ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ።

ውሃቢ ቃል ሰራዎት ዲኣርሲ ጀነራል ልዩ ካሳንጎ፡ እቲ ኵናት ኣብ ርሑቕ ገጠራት፡ ኣብ ማእከለል ጫካታትን ኣብቲ ኣብ ዶናት ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ሃገራዊ ሕዛእቲ ቪሪንጓ ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።

ምንቅስቃስ ሰራዊት፡ እቲ ዝካየድ ስርሒትን ቁጽሪ ምውታትን ንግዚኡ ብምስጢር ክተሓዝ ምዃኑ'ውን እቲ ውሃቢ ቃል ገሊጹ።

Map

ግብረ መልሲ ኡጋንዳውያንከ ከመይ ይመስል?

ፖሎቲካውያን ተቃወምቲ ውድባትን ገለ ውሃብቲ ርእይቶን እቲ ስጉምቲ ብዘይ ዘተን ብዘይ ኣፍልጦ ናይ ባይቶን ዝተገበረ እዩ ብምባል፡ ሰራዊት ኡጋንዳ ናብ ዲኣርሲ ምእታዉ ብትሪ ተቃዊሞሞ ኣለዉ።

ኣብ 1900ታት ሰራዊት ኡጋንዳ ዶብ ሰጊሩ ናብ ዲኣርሲ ኣብ ዝኣተወሉ'ውን ብተመሳሳሊ ዝኾነ ዘተ ከይተገበረሉ ብዘይ ኣፍልጦ ባይቶ እታ ሃገር ከምዝተፈጸመ እዩ ዝንገር።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2013 ሰራዊት ኡጋንዳ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ንምሕጋዝ ናብ ውሽጡ ደቡብ ሱዳን ክኣቱ እንከሎ ሃገራዊ ባይቶ ኡጋንዳ ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ እዩ ዝግለጽ።

ኮንጎሊሳውያንከ እንታይ ይብሉ?

ዋላ እኳ መፈጸምታ ኤዲኤፍ ክኾነሎም ዝደልዩ ብዙሓት እንተኾኑ፡ በቲ ሰራዊት ኡጋንዳ ቅድሚ ሕጂ ናብታ ሃገር ምስ ኣተወ ዝገበሮ ዝነበረ ግን ጽቡቕ ተዘክሮ ኣይኮነን ዘለዎም።

ኮንጎሊሳዊ ተሻላሚ ኖቤል ሰላም ዶክተር ደኒስ ምኩወንግ ዘለዎ ስክፍታ ዳርጋ ንኹሉ ዘጠቃልል እዩ።

ኤዲኤፍ ነቲ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዲኣረሲ ዝተፈጻመ ዝተፈላላየ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ክወስደሉ ጸኒሑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኤዲኤፍ ነቲ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ዲኣረሲ ዝተፈጻመ ዝተፈላላየ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ክወስደሉ ጸኒሑ'ዩ

ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጽሓፊ መልእኽቲ "ኣይፋል ንመጥቃዕቲ ኣየር! ተመሳሳሊ ጌጋ ተመሳሳሊ ጥፍኣት እዩ ከስዕብ፡ ኮንጎሊሳውያን ተስኡ ሃገር ኣብ ሓደጋ እያ ዘላ" ብምባል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጽሒፉ።

ሊቻ ዝተበሃል ጉጅል ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ዘለዎ ተመሳሳሊ ስክፍታ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንኽሰፍን እቲ ኣገባብ በቲ ዝግበር ዘሎ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

እቲ ጉጅል ብምስዓብ፡ ምእታው ሰራዊት ኡጋንዳ፡ ህዝቢ ዲኣርሲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ርእሰ ምትእምማን ከይህልዎ ዝገብር እዩ ኢሉ።

ውሃቢ ቃል ናይቲ ኣብ ዲኣርሲ ዘሎ ሞኑስኮ ዝተሰመየ ሓይሊ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ መንግስቲ ዲኣርሲ ንሰራዊት ኡጋንዳ ምዕዳሙ "መዳወብቲ ሃገራት ንተመሳሳሊ ሽግራትን ብሓባር ኮይነን ክፈትሓ ዝኽእል እዩ" ብምባል ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?

ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ 1990ታት ከምኡ ውን ኣብ መጀመርታ 2000 ኣብ ዲኣርሲ ኣትዩ ዝገበሮ ስርሒታት ንዝንኡ ባይታ እዩ ኣዝቢጥዎ።

ኣብቲ እዋን ንክልተ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ናይቶም ንላውረን ካቢላ ንምዕላው ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣርሲዲ ዝብሃሉ ጉጅልታት ዝድግፋ ዝነበራ ኡጋንዳን ርዋንዳን ኣብ ውሽጢ መሬት ዲኣርሲ፡ ኪሳንጋኒ ኣብ እትብሃል ከተማ ኵናት ገጢመን።

ታንታክታት ኡጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Ugandan army

መግለጺ ስእሊ, ታንታክታት ኡጋንዳ

እቲ 'ኵናት ሽዱሽተ መዓልታት' እናተባሃለ ዝጽዋዕ ክልቲኤን ሃገራት ንከተማ ኪሳንጋኒ ንምቁጽጻር ኣብ ሰነ 2000 ኣብ ዘካየደኦ ኵናት ልዕሊ 1000 ሰብ ከምዝሞተ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ እዋን ሰራዊት ኡጋንዳ፡ ጾታዊ ዓመጻት ዝርከቦ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝግሃሰን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እታ ሃገር ከምዝዘመተን ይኽሰስ።

ኣብ 2001 ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኡጋንዳን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ማዕድን፡ ጥሪት፡ ቡንን ዓበይቲ ኣእዋምን ዝርከቦም ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዲኣርሲ ከምዝዘመታ ገሊጹ።

ኣብ 2005 ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ ኡጋንዳ ንዲኣርሲ ገንዘባዊ ካሕሳ ክትህባ'ኳ እንተበየነ፡ ዲኣርሲ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተኻሓሰትን ዘላ።

ንምንታይ'ዮም ዕጡቓት ጉጅለታት ንምብራቃዊ ክፋል ዲኣርሲ ከም ደጀን ዝጥቀምሉ?

እቲ ብተፈጥሮዊ ሃብቲ ሃብታም ዝኾነ ምብራቃዊ ክፋል ዲኣርሲ ንዓሰርተታት ዓመታት ቀንዲ ደጀን ዕጡቓት ሓይልታት እዩ ኮይኑ።

ገለ ጸብጻባት ኣብቲ ቦታ ክሳብ 120 ዝኾነ ዝተፈላላዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ከምዘለዉ'ዮም ዝሕብሩ።

ነቲ ዝሃብተመ ክፋል እታ ሃገር ምቁጽጻር ፖሎቲካዊ ሓይሊ እታ ሃገር ከምምቁጽጻር ስለዝውሰድ፡ እቲ ኵናት መን ዓብሊሉ ወጸ ኣንፈት ዝህብ እዩ።

ገለ ጎረባብቲ ሃገራት ነቶም ኣብቲ ቦታ ዓስኪሮም ዘለዉ ዕጡቓት ደገፍ ብምሃብ ካብቲ ዕግርግር መኽሰባት ንምግሓጥ ይሰርሓ ምህላወን ገለ ጸብጻባት ይጠቅሱ።

እቲ ምብራቃዊ ክፋል ዲኣርሲ ክልተ ዞባታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገረ ፍሊክስ ትሺስክዲ ፍሉይ ዞባዊ ክርደና [state of siege] ብምእዋጅ ነቲ ኣብተን ዞባታት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፍጸም ቅትለት ንምቀጽጻር ይፍትን ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣፍሪቃ ስለምንታይ’ያ ማእኸል መዓስከራት ወተሃደር ሓያላት ሃገር እትኸውን ዘላ?