ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ኣወለፍቲ ድዮም? ኩባንያ ሜታ ኣብ ቤት ፍርዲ ተማጒቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩባንያ ሜታ፡ ንቘልዑ ኣብ ማሕበራዊ መርበባት ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ንምጽማድ ኰነ ኢሉ ንድፍታት ከም ዘውጽአ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ሓደ ዓቢ ሕጋዊ መስርሕ ቃል ተዋሂቡ።
ኣብ ኦክላንድ፡ ካሊፎርንያ ዝርከቡ ኣባላት ፈርዲ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሽዱሽተ ሰሙናት ነቲ ብጠበቓታት ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ክምርምሩ እዮም።
እዚ ክሲ እዚ፡ ኩባንያ ሜታ ካብ ዘጋጠምዎ ዝዓበዩ ሕጋዊ ብድሆታት ሓደ ኰይኑ ይርአ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተጀመረ መስርሕ ፍርዲ፡ ጠበቓ ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ኩባንያ ሜታ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዕድመኦም 11ን 12ን ዝዀኑ ቈልዑ ኣብ ኢንስታግራም ከም ዘለዉ እናፈለጠ፡ "ካብቲ መርበብ ንምርሓቖም ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣዝዩ ውሑድ እዩ፡" ክትብል ወቒሳ።
ወኪል ሜታ ብወገኑ፡ እቶም ኣብዚ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ተጠቀምቲ ካብ 100,000 ከም ዘይበዝሑ ብምግላጽ፡ "ወልፊ ማሕበራዊ መራኸቢታት" ዝበሃል ነገር የሎን ክብል ተማጒቱ።
ጠበቓታት ግዝኣት ካሊፎርንያ፡ ኩባንያ ሜታ ነቲ መርበባቱ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ኣእምሮ መንእሰያት ዘውርዶ ሃስያ እናፈለጠ ዕሽሽ ከም ዝበሎ ይኸስሱ። ሜታ ግን እቶም ዝሓሸ ተመኵሮ ዘለዎም ብዙሓት መንእሰያት ኰነ ተባሂሎም ዕሽሽ ይበሃሉ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ይነጽጎ።
እዚ ክሲ ኣብ 2023 ብ29 ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ እቲ ኩባንያ ንሕግታት ምስጢራውነት ቈልዑ ብተደጋጋሚ ጥሒሱ ብዝብል እዩ።
እተን ግዝኣታት ካብ ሜታ ብቢልዮናት ዝቝጸር ዶላር ክኽፈለን ይሓታ ኣለዋ፤ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ከም "ላይክ" (like) ምርኣይን እልቢ ዘይብሉ ዝግንጸል (infinite scroll)ን ዝኣመሰሉ ኣሰራርሓታት ክቋረጹ ይጠልባ ኣለዋ።
'መኽሰብ ካብ ድሕነት ይቕድም'
ኣውራ ጠበቓ ግዝኣት ካሊፎርንያ ሜጋን ኦኒል፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረበቶ መጐተ ንምስናይ፡ ካብቲ ኩባንያ ዝተረኽቡ ሚልዮናት ሰነዳት ከም መወከሲ ተጠቒማ ኣላ።
እዞም ሰነዳት እዚኦም፡ ክሳብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ማርክ ዙከርበርግ ዝበጽሑ ናይ ውሽጢ መርመራታትን ኢመይላትን ዝሓዙ እዮም።
ሓደ ካብቲ ናይ ውሽጢ መጽናዕቲ ሜታ፡ "መንእሰያት ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ኢንስታግራም ከም ናይ ወልፍታት ዝመስል ዛንታ ኣለዎም፡" ዝብል ሓሳብ ከም ዝሓዘ ተገሊጹ።
ኦኒል ወሲኻ ከም ዝገለጸቶ፡ ሜታ "ንተጠቀምቲ ንነዊሕ ግዜ ንምትሓዝ ዝተዳለዉ ኣሰራርሓታት፡ ምስ ጥዕናን ምርግጋእን ተጠቀምቲ ዝጻረሩ ምዃኖም፡" ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
ኦኒል ንኣባላት ፈራዶ ኣብ ዘቕረበቶ መብርሂ፡ ስትራተጅያዊ ኣሰራርሓ ሜታ "ንተጠቐምቲ ምጽማድ፡ ንነዊሕ ግዜ ከም ዝጸንሑ ምግባር፡ ዳታኦም ምእካብን ሓቂ ከኣ ካብ ህዝቢ ምሕባእን፡" ዝብል ምዃኑ ገሊጻ።
"ሜታ ንድሕነት ካብ መኽሰብ ንላዕሊ ቀዳምነት ከም ዝህብ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣብ ግብሪ ግን እቲ ኩባንያ ኵሉ ግዜ ንረብሓኡ ካብ ድሕነት ተጠቐምቲ ኣቐዲሙ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ እዩ ተራእዩ፡" ክትብል ተማጒታ።
ግብረ-መልሲ ሜታ
ጠበቓ ሜታ ፖል ሽሚት ብወገኑ፡ ነቲ ኦኒል ዘቕረበቶ መጐተ ብቐጥታ በዲሁዎ።
ኦኒል፡ "ሓደ ካብ ሓሙሽተ መንእሰያት ኢንስታግራም ሕማቕ ከም ዝስምዖም ይገብር፡" ዝብል ጸብጻብ ምቕራባ ብምጥቃስ፡ ሽሚት "እዚ ሕማቕ እዩ ዝመስል፡ እንተዀነ እቲ ሰነድ 41% መንእሰያት ዝሓሸ ከም ዝስምዖም፡ ካልኦት 41% ድማ ዝዀነ ጽልዋ ከም ዘይብሉ እዩ ዝሕብር፡" ኢሉ።
ሽሚት ወሲኹ፡ ሜታ ትሕቲ ዕድመ ተጠቐምቲ ንኸይኣትዉ ንምክልኻል ዘይከኣለሉ ምኽንያት፡ እቶም ክጥሕሶም ተኸሲሱ ዘሎ ሕግታት ምስጢራውነት፡ ዳታ ተጠቐምቲ ንምክትታል ዕንቅፋት ስለ ዝዀንዎ እዩ ክብል ተማጓቲቱ።
"ሜታ፡ ሰባት ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መርበባት ክጽገሙ ከም ዝኽእሉ ይፈልጥ እዩ፤ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ቍጽጽር መሳርሕታት ኣዳልዩ እዩ፡" ክብል ሽሚት ተጣቢቑ።
ማርክ ዙከርበርግን ሓላፊ ኢንስታግራም ኣዳም ሞሰሪን፡ እቶም መርበባት ኣወለፍቲ ንክዀኑ ተባሂሎም ከም ዘይተሰርሑ ኣቐዲሞም ምግላጾም'ውን ኣዘኻኺሩ።
"ማሕበራዊ መርበባት ወልፊ ከም ዘስዕቡ ዘርኢ መጽናዕቲ የሎን፡" ክብል ድማ መጒቱ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



