ኣብ ልዕሊ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ዝተፈጸመ ዝምታን ዕንወትን እንታይ ይመስል?

ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ

ምንጪ ስእሊ, Industrial Parks Development Corporation/fb

Published

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ዝርከቡ ፋብሪካታት ዝፈጸምዎ ዝምታን ዕንወትን ሰፊሕ ከምዝኾነ ዋና ኣፈጻሚ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዳስትሪ ፓርክታት ኣይተ ሳንዱካን ደበበ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ንሱ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ካብ ሽድሽተ ሃገራት ዝመጽኡ ዓለምለኻውያን ትካላት ስራሕ ጀሚሮም ነይሮም።

ብልዕሊ 90 ሚልዮን ዩሮ ናብ ምፍራይ ኣልባሳትን ኣጭርቕትን ኣትዩ ዝነበረ ጣልያናዊ ኩባንያ ካርቪኮ፡ ንመፈጸሚ ስርሑ ዘእተዎም መለዋወጢ ኣቑሑትን ካልኦት ግብኣታትን ዝምታ ከምኡ’ውን ዕንወት ከምዝተፈጸሞም ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ሓይልታት ትግራይ ግና ኣብ ልዕሊ ንብረት ህዝቢ ዝኾነ ዕንወት ከምዘይፈጸሙ ብምግላጽ ዓለምለኻዊ መርመራታት ክግበር ይሓቱ።

ካብ ጣልያን፣ ቻይናን ኮርያን ዝመጽኡ ኩባንያታት ዝርከብዎም ፋብሪካታት ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ስራሕ ዝጀመሩ ኮይኖም፡ መብዛሕቲኦም ኣብ ኣልባሳትን ኣጭርቕትን ከምዝተዋፈሩ ኣይተ ሳንዱካን ኣረዲኡ።

ምስ ከም ከልቪን ክለይን ዝበሉ ዓለምለኸ ተፈላጥነት ዘለዎም [‘ብራንድ’] ሓቢሮም ዝሰርሑ ትካላት ቆርበትን ውጽኢት ቆርበትን እውን ኣብቲ ፓርክ ተዋፊሮም ነይሮም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ጉድኣት ኣብቶም ዓለምለኻውያን ትካላት’ውን ከምዝበጽሐ እቲ ኣፈጻሚ ስራሕ ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን እቲ ኮርፖሬሸን ነቲ ኣብ ኢንዳስትሪ ፓርክ ኮምቦልቻ ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝርዝር ዘጽንዕ መርማሪ ጉጅለ ናብቲ ቦታ ልኢኹ’ሎ።

ኣብቲ ፓርክ፡ ፍርያት ዝፈርየሎም ቦታታት፣ መጻረዪ ኬሚካልን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝህቡ ዝነበሩ ክፍልታትን ምሉእ ዝምታን ዕንወትን ከምዝተፈጸሞም’ዩ ዝግለጽ።

ናይቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርክ ዝርከቡ ፋብሪካታት መኻይን ከምኡ’ውን ናውቲ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ናውቲ ስርዓት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ [ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ሲስረም]፣ ናብ ደገ ሰደድ ክግበሩ ዝተዳለዉ ኣልባሳት፣ ኣጭርቕቲ፣ ውጽኢታት ቆርበትን ካልኦትን ከምዝተዘመቱ ኣይተ ሳንዱካን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ዘርዚሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ብኽልተ መገዲ ዝግለጽ’ዩ። እቲ ቀዳማይ ዝምታ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ከኣ ዕንወት’ዩ።

“ብመንጽር ዝምታ፡ በቶም ፋብሪካታት ዘፍርይዎምን ናብ ደገ ሰድድ ክግበሩ ተዳልዮም ዝነበሩን ዝተፈላለዩ ፍርያት ተሰሪቖም’ዮም። እቶም ፋብሪካታት ንዘፍርይዎም ውጽኢታት ዝውዕሉ ጥረ ኣቑሑት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ተወሲዶም’ዮም” ይብል።

ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ

ምንጪ ስእሊ, Industrial Parks Development Corporation/fb

ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ጽሕፈት እቶም ትካላት ዝነበሩ መሳርሕታት ዳርጋ ብምሉኦም ክባሃል ብዝኽእል ኩነታት ከምዝተዘመቱ ብምሕባር፡ ብፍላይ ብቐሊሉ ክትክኡ ዘይክእሉ መሳርሕታትን ስርዓተ ፍርያትን ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዉ ተዛሪቡ።

“ናይቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ’ውን ኣምቡላንስን ናይ ሓዊ መከላኸሊ መኪናን ተወሲደን ኣለዋ” ኢሉ።

ወሲኹ ድማ “ናይ ኤለክትሪክን ካልኦት ኬብላትን ዳግም ኣገልግሎት ከይህቡ ኮይኖም ተቖራኢጾም’ዮም። ኣብቲ ፓርክ ተወሳኺ ህንጸት ንምስላጥ ከም መኽዘን ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ኮንቴይነራት እውን ተጻዒኖም ተወሲዶም” ክብል ገሊጹ።

ፈጠራ ዕድል ስራሕ

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፋብሪካታት ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ዝምታን ዕንወትን ቅድሚ ምፍጻሞም፤ ብሓፈሻ ኣስታት 3,600 ሰራሕተኛታት ተቖጺሮም ይሰርሑ ምንባሮም ይዝረብ።

እዚኦም ከኣ ብቐጥታ ኣብቲ ፋብሪካ ተቐጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ቀረብ መግብን ካልእን ንዝህቡ ሰባት ዝተፈጠረሎም ዕድል ስራሕ ከኣ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይነበረን።

“እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ፈታኒ እዩ። ገሊኦም ዝጠፍኡ ኣቑሑት ኣዝዮም ኣገደስቲ ብምዃኖም ብቐሊሉ ተዓዲጎም ስራሕ ክጅመር ዝከኣል ኣይኮነን። ብምሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ንምእታው ነዊሕ ጊዜ ክወስድ ከምዝኽእል ኢና ንግምት” ይብል ኣይተ ሰንዶካን

እቲ ተላኢኹ ዘሎ መርማሪ ጉጅለ ንዘቕርቦ ጸብጻብ መሰረት ብምግባር፤ ዝዕረ ብምእራይ ናብ ስራሕ ንምእታው ተሓሲቡ’ሎ። እዚ ከኣ ምናልባት ብኣዋርሕ ዝቑጸር ጊዜ ክወስድ ከምዝኽእል እቲ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፈለማይ ምዕራፍ ዝተሃነጹ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ብዝበሃል ደረጃ ኩሎም መሰረተ-ልምዓት [ትሕተ-ቅርጺ] ተማሊኦምሉ ምንባሮም ኣዘኻኺሩ’ሎ።

ብዋናነት ንፍርያት ዝኾኑ ቦታታት ካብ ምክራይ ብተወሳኺ፡ ናይ ማይ፣ መብራህቲ፣ መጻረዪ ርስሓትን ኣገልግሎት ሓለዋን ተማሊኡሉ ነይሩ። ማእኸል ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ፓርክ ብምዃኑ ከኣ ብኣውፈርቲ ከምዝምረጽ ይግለጽ።