ኢትዮጵያ ንግዳያት ኲናት እግሪ ንምትካል ተወሳኺ 5 ቢልዮን ባጀት ምምዳባ ገሊጻ

ካብ ዋግ ኸምራ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ኣብ ባህርዳር

ምንጪ ስእሊ, J. Countess

Published

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት፡ ጉድኣት ዝበጽሖም ዜጋታት እግሪ ንምትካል ተወሳኺ ናይ ሓሙሽተ ቢልዮን ባጀት ከምዝተመደበ ሚኒስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ኣህመድ ሺዴ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጹ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ተወሳኺ ባጀት ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ምቕራቡ ብምሕባር፡ ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ምስ ጸደቐ ናብ ተግባር ከምዝእቶ ገሊጹ።

ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ፡ ካብ ባንኪ ዓለም'ውን ተወሳኺ ድጋፍ ክርከብ እዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘሎ'ውን፡ ሚኒስተር ገንዘብ ኣቶ ኣህመድ ሺዴ ተዛሪቡ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝበለ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት እቲ ሚኒስትር፡ ሃገራዊ ሴክሬታርያት ፈጻሚ ኮሚቴ እግሪ ምትካል ጉድኣት ኲናት፡ ብ15 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ፈላማይ ኣኼባ እዩ።

እቲ መደብ ብዝተወሃሃደ፣ ተሓታትነት ዝህልዎን ዘላቂ ፍታሕ ብዘምጽእን መልክዑ ከምዝትግበር እውን ገሊጹ።

እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ዘብጽሖ ጉድኣትን ክስራንን ብገንዘብ ንምትማን ናይ ዳህሳስ መጽናዕቲ ንምግባር ዘኽእል መበገሲ ሓሳብ ናብ ኣባላት ኮሚቴ እቲ ሴክሬታርያት ከምዝቐረበ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብ ካልኦት ክልላት'ውን ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብቲ መደብ እግሪ ምትካል ክካተቱን፤ ክልላትን ናይ ውልቀ ኩባንያታትን ከምኡ'ውን ዲያስፖራ ኣብ ምውጻእ ቅርሺ ክሳተፉን ሓሳብ ቀሪቡ ተባሂሉ።

ኣብቲ ኣኼባ: ሃገራዊ ሴክሬታርያት ኮሚቴ ፈጻሚ ሰራሕ፡ ካብ ሚኒስትራት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ውጥንን ልምዓትን፣ ማይን ጸዓትን፣ ኢንዱሱትሪ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ካልኦትን ተሳተፎም ተባሂሉ።

እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተላበዓ ደማዊ ኲናት፡ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ።

ኣብቲ ኲናት ሕድሕድ ዝሳተፉ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ከም ገበናት ኲናት ክቑጸሩ ዝኽእሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ኣስታት 9 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ዝጽበ ኾይኑ፤ ኣብ ትግራይ ትግራይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ጥሜት ከምዝተቓልዑ ሕቡራት ሃገራት ምፍላጡ ይዝከር።

እቲ ልዕሊ 13 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት፡ ንከብቅዕ፡ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ቀንዲ ተወካሊ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ ከምኡ'ውን ኬንያ ጻዕሪ እናገበሩ እንተጸንሑ'ኳ ዛጊድ ውጽኢት ኣይተረኽቦን።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምሉእ ብምሉእ ምውጽኦም ኣረጋጊጾም ኲናት ደው ኢሉ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ናብ ሕቡራት ዳብዳበ ምጽሓፎም ይዝከር።

ሰራዊት ፈደራልን መላፍንቱ ሓይልታትን፡ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዙ ዝነበረ ሰፊሕ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዳግማይ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ድማ፡ ካብቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ቦታታት ከይግስግሱ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ።