ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት መንግስቲ ናብ ክልል ትግራይ ከይግስግሱ ከምዝተኣዘዙ ተገሊጹ

Published

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱን መሻርኽቱ ሓይልታት ክልላትን ናብ ክልል ትግራይ ከይግስግሱ ትእዛዝ ከምዝሃቦም ሰብመዚ ኣፍሊጦም።

ሚኒስተር ኮሙኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ለገሰ ቱሉ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ጥራይ ኣውሒሱ ናብ ትግራይ ገጹ ከይቅጽል ትእዛዝ ከምዝተውሃቦ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን፡ መራሕቲ ትግራይ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ ዘውጽእዎ መገለጺ፡ "ንዘቕረብናዮ ፃዉዒት ሰላም ፀማም እዝኒ ሂቡ" ዝበልዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ "ሕገ መንግስታዊ መሬት ትግራይ ብደቡብ ኣንፈት ብምጥሓስ ውግእ ጀሚሩ ኣሎ" ክብሉ ከሲሶም ነይሮም።

"ብተወሳኺ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ'ውን ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ናብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣካይዱ ኣሎ። ስለዝኾነ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሕዚውን ከም ወትሩ ህልውንኦም ንምርግጋፅ ክብሉ ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ተሓታቲ . . . ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ምዃኖም ነፍልጥ" ኢሎም።

ብወገን ኤርትራ ነቲ መግለጺ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ገለ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኤርትራ ጠቕሊሎም ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጹ ተዛሪቦም ነይሮም።

ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምሉእ ብምሉእ ምውጽኦም ድሕሪ ምርግጋጾምን፡ ሰራዊት ፈደራልን መላፍንቱ ሓይልታትን፡ ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዙ ዝነበረ ሰፊሕ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዳግማይ ድሕሪ ምቁጽጻሮምን'ዩ፡ መንግስቲ ንሰራዊቱ ካብቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ቦታታት ከይግስግሱ መምርሒ ሂብዎም ዘሎ።

ሓይልታት ትግራይ ቶኵሲ ደው ክብልን ዘተ ከካየድን ዘለዎም መርገጺ፡ ኣብቲ ብሰኑይ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣነጺሮም ምንባሮም ይዝከር።

ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጽኦም ንፖለቲካዊ ዝርርብን ሰላማዊ መስርሕን ዕድል ዝህብ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሊጹ።

እቲ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን፡ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦለሰጉን ኦባሳንጆ ብሓሙስ ወይ ዓርቢ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

እዚ ምዕባለታት'ዚ፡ እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቁጺሩ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ ኣብዚ ንኸኽትም ንቡዙሓት ተስፋ ዘርኢሎም ኣሎ።

"ሕጂ ዝተገበረ ገምጋም ከምዘርእዩ፡ ናይ ጸላኢ ናይ ምግባር ዓቕምን ድሌትን ብኺቢድ እዩ ተሃስዩ፡ እንተኾነ እዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ድሌቱ ዳግማይ ንኸይጭብጭብ መንግስቲ ኣብ መጽናዕቲ ተሞርኵሱ የድሊ እዩ ዝበሎ ኣብ ቀጻሊ ስጉምትታት ክወስድ እዩ" ክብል ለገሰ ቱሉ ተዛሪቡ።

"ሰራዊትና ሕጂ ዘለዎ ናይ ዓወት ፍናን ሓልዩ ምስ ሓይሉ ንክጸንሕ ዝተፈላለዩ ስራሓት ክካዱ እዮም፡ ሰራዊትና ኣብ ምብራቅ ኣምሓራን ዓፋርን ብግብረሽበራዊ ሓይሉ ተወሪሩ ዝነበረ ከባቢታት ናጻ ድሕሪ ምውጻእ ቀዳማይ ዕማሙ ዛዚሙ ሕጂ ኣብ ዝተቖጻጸሮ ቦታታት ኣጽኒዑ ክሕዝ ተኣዚዙ ኣሎ" ኢሉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን፡ ብዙሓት ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም ናብ ኣላማጣን ኮረምን ይግስግሱ ከምዘለዉ መንግስቲ ትማሊ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ብሰንኪ'ቲ ብ3 ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቕትሉ እንከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቐሎም፡ ኣስታት 10 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበዪ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።