ተጻዋቲ ጋንታ ሊቨርፑል ነበር ዝጠፍአ ከልቡ ንዝረኸበሉ ሰብ 30 ሽሕ ዶላር ክኸፍል ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ሊቨርፑል ነበር ዳኒኤል ሰተሬጅ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጠፊኣ ንዝነበረት ሉሲ ዝተብሃለት ከልቡ ንዝረኸበሉ ውልቀ ሰብ 30,000 ዶላር ክኸፍሎ ቤት ፍርዲ ወሲንሉ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ እትርከብ ጋንታ ዝጻወት ዘሎ ዳኒኤል፡ እታ ሉሲ ዝብል ስም ዘለዋ ከልቡ ሎስ ኣንጀለስ ካብ ዝርከብ ቤቱ ምስተሰረቐቶ ንዝረኸባ ሰብ ዓስቢ ከምዝኸፍል ቃል ኣትዩ ነይሩ።
ኪላ ፌም ብዝብል ናይ መድረኽ ስሙ ዝፍለጥ ፎስተር ዋሽንግተን ዝተብሃለ ራፐር ነታ ከልቢ ረኺቡ ንዳኒኤል’ኳ እንተረከቦ እቲ ተመጻቢዕሉ ዝነበረ ገንዘብ ግን ከምዘይተውሃቦ ተዛሪቡ። ዋሽንግተን ጥርዓኑ ናብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ እቲ ብይን ተዋሂቡ።
እቶም ኣብ ኢድ ማዕኸን ዜና ፒኤ ዝኣተዉ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዘርእይዎ፡ ዳኒኤል ናብ መጋብእያ ቀሪቡ ምላሽ ኣብዘይሃበሉ’ዩ እቲ ፍርዲ ተዋሂቡዎ።
ዳይና እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ንራፐር ዋሽንግተን 30,000 ዶላር ክኸፍሎ ኣለዎ ካብ ዝብል ውሳነ ብተወሳኺ 85 ዶላር ክኸፍሎ ወሲኑ።
“እቲ ገንዘብ ከምዝኸፍለንን ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ከምዘይብልን ተስፋ እገብር። ሕጉስ እየ። በዚ ርእሰ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክካታዕ ጸኒሔ ኣለኹ። እታ ከልቢ ምስ ረኸብኩዋ ህይወተይ ክመሓየሽ’ዩ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ” ክብል ዋሽንግቶን ተዛሪቡ።
እታ ከልቢ ሆሊውድ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝጠፍኣትሉ እዋን ቆቢዕ ዘለዎ ጎልፎ ዝተደኸኑ ሰለስተ ሰባት ብናይ ድሕነት ካሜራ ከምዝተቐድሑ ተፈሊጡ።
“እታ ከልቢ ንኽትርከብ ኣድላይ ዘበለ ነገር ኩሉ ክንከፍል ኢና” ክብል ዳኒኤል ተዛሪቡ ነይሩ።
“ዝኾነ ይኹን ሰብ ነታ ከልበይ እንተድኣ ኣምጺኡለይ ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ዶላር ክኸፍል እየ” ዝብል መልእኽቲ ምስ ኣሕለፈ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እታ ከልቢ ተረኺባትሉ።
ወኪላት ናይቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
