እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መካነ እንስሳታት ፈረንሳ ትሽዓተ ተዃሉ ድሕሪ ምምላጦም ንግዚኡ ተዓጽዩ
ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ሓደ መካነ እንስሳታት ንበጻሕቲ ክፉት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ትሽዓተ ተዃሉ ካብ ደምብኦም ኣምሊጦም ስለዝወጽኡ እቲ መካነ እንስሳታት ክዕጾ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ወሲኖም።
በቲ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ዝርከብ መካነ እንስሳታት ትሮይስ ቫለስ ዘጋጠመ ሓደጋ ምምላጥ ተኳሉ ዛጊት ዝተጎድአ ሰብ የሎን።
እቶም ተዃሉ ነቲ ናይ ድሕነት ሓጹር ኣዕኒዮም ብሓጹር ዘሊሎም’ኳ እንተምለጡ ካብ ቀጽሪ እቲ መካነ እንስሳታት ግን ኣይወጽኡን።
ካብቶም ትሽዓተ ተዃሉ እቶም ኣርባዕተ ሕማቕ ጠባይ ስለዘርኣዩ ከምዝተቐተሉ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ፋብየን ቾለት ንኤኤፍፒ ገሊጹ። እቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ናብ ደምቢኦም ተመሊሶም መደንዘዚ መርፍእ ከምዝተወግኡ ተፈሊጡ።
እቶም ተዃሉ ካብ ደምበ ኣብ ዘምለጠሉ ግዜ ብዙሕ ሰብ ከምዘይነበረ ዝገለጸ ቾለት ናይ ድሕነት ጉዳያት ማዕልቦ ክሳብ ዝረክብ እቲ መካነ እንስሳታት ክዕጾ ኣለዎ ኢሉ።
እቲ መካነ እንስሳታት ብሰንኪ ህጹጽ ስራሕቲ ክሳብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ዕጽው ከምዝኸውን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ወናኒ ፓርክ ሳቩዩር ፌሬራ እቶም ተዃሉ ናብቲ መካነ እንስሳታት ኣብ ቀረባ ግዜ ከምዝኣተዉን ካብ ደምቢኦም ከምዘምልጡ ምስተፈለጠን እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ክርሕቑ ከምዝተገበረ ንኤኤፍፒ ገሊጹ።
እቲ 60 ሄክታር ስፍሓት ዘለዎ መካነ እንስሳታት ኣናብስ፣ ኣህባይን ፍላሚንጎን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 እንስሳት ዝሓዘ’ዩ።
እቲ መካነ እንስሳታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ’ውን ተዓጽዩ ከምዝነበረ ይዝከር።