ሳይንስ፡ ብኸመይ ጥዑይ መሓዛ ነጥሪ?

Published

ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዋን ንመብዛሕትና፡ ንምዃኑ ኣነስ ናይ ቀረባ መሓዛ ኣለኒ'ዶ? መን'ዩ . . . ከመይ ዝበለ'ዩኸ?

ዝብል ስምዒት ከምእነሕድር ገይሩና ኣሎ።

እቲ ኩነታት ዕጽዋን ኣካላዊ ምርሕሓቃትን ካልእን ስለዝፈጠረ ብፍላይ ንቖልዑት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ።

ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝተወስዱ ስጉምታት ብውሑዱ፡ ሰባት ብኣካል ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚታቶም ከምዝጸብብ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዕጸው ስለ ዝገበረ፡ ዕለታዊ ስራሕትን ርኽክባት ሰባት ብኢንተርነት ኣብ ዙምን ካልእን ዝተደረኸ ኮይኑ።

እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ኣዐርዮም ናእሽቱን እንታይነት ዙም ዘይፈልጡን ቖልዑት ዘሕልፉዎ ግዜ ከቢድ ከምዝኸውን ገይሩ።

በዚ ምኽንያት መብዛሕትኦም ምስ ዝፈትውዎ መሓዝኦም ተረሓሒቖም።

ከም ሰብ፡ እቶም እንናፍቖም ሰባት ዘዛንዩና ጥራሕ ዘይኮነ እንኣምኖም ሰባት'ውን እዮም።

እቶም ዓበይቲ ጥራሕ ዘይኮንና ዋላ እውን እቶም ቖልዑ ንኣባይቲ አዕሩኽቶም ከም ቤቶም ክሳብ ዝርእዩዎ ምቅርራብ ዝጸንሖም አዕሩኽ ምክልኻል ኮቪድ ኣረሓሒቑዎም እዩ። እቶም ዓበይቲ እውን ውዕሎና ክንነግሮም ምኽሪ ክንሓቶም ወይ ጸገምና ክንነግሮም ምስ እንደሊ ኣብ ዝኾነ እዋን ከም እንድውለሎም ኢና ንሓስብ።

"ኣብ ጽቡቕ ምሕዝነት ምቅርራብ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ንዓኻ ዝኸውን ሰብ ከም ዘለካን ንስኻ ብግዴኻ ንካልኦት ከም እተድልን የዘኻኽረካ" ትብል መምህር ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ ረቤካ ግራበር።

ይኹን'ምበር ብኸመይ ጥዑያት መሓዙት ክህልውና ይኽእሉ?

ስለ ምንታይ ኢና ምስ ካልኦት ጥቡቕ ማሕበራዊ ምትእስሳር ክህልወና እንደሊ ዝብሉ መጽናዕታት "ዓበይቲ ስነ ፍልቀታዊ ረብሓታት ስለ ዘለው እዩ" ይብሉ።

"ዕርክነት ከም ባህሊ ኢና ንሓስቦ። እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ እዩ" ትብል ጸሓፊት ሊድያ ዴንዎርዝ።

ዕርክነት ሓደ መሓዛ ካብቲ ካልእ ምምራጽ ዘይኮነ ምስቶም ሓገዝቲ ዝኾኑ ሰባት እተሕልፎ ግዜ ዝፈጥሮ ጥምረት እዩ።

ልክዕ ከም ደቂ ሰባት ኣቡሳላማ [ዶልፊናት] እውን ሓበራዊ ድልየት መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ይፈጥሩ'ዮም።

ደቂ ተባዕትዮ ኣቡሳላማ መግቢ ደልዮም ናብ ዓሚቚ ማያት ክኣትው እንከለው ምስ ካልኦት ከምኦም ዝበሉ ፍጥረታት ምሕዝነት ከም ዝፈጥሩ ብ2019 ዓ.ም ዝወጽአ መጽናዕቲ ይሕብር።

እዞም ጽኑዓት ውህደታት ንዓሰርታት ዓመታት ክዘልቁ ከም ዝኽእሉ መራሒት ጸሓፊት እዚ መጽናዕቲ ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ዙሪክ ማኑኤላ ቢዞዜሮ ትገልጽ።

ኣህባይ'ውን ካብቶም ጽኑዕ ዕርክነት ዝደልዩን ዝፈጥሩን እንስሳታት እዮም።

ኣብ 2003 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝወጽአ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስቶን ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣህባይ ዘሎ ዕርክነት ከም ዝወሰኸ የርኢ።

ካልእ መጽናዕቲ ድማ እቶም ጽኑዕ ዝምድና ዝፈጥሩ ኣህባይ ትሑት መጠን ጭንቀት ከም ዘጋጥሞምን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ናይ ቀረባ መሓዝአን ተጠቒዑ ምስ ሞተ ሓድሽ ዕርክነት ንምጅማር ጽዓርዓር ከም ዝብላን የርኢ።

"ኣንበሳ ጥዑይ ዓርኪ ሒዝኻ ኢኻ ክትቃለሶ ትኽእል። ንሕና'ውን ዓበይቲ ጸገማትና ክንቃለሶም ሓገዝ ንደሊ፤ ኣዕሩኽትና ከምዚ'ዮም ዝገብሩ" ትብል ዳንዎርዝ።

ምምሕዛው

መሓዙት ምርካብን ኣብ ጉዕዞ ክትሃንጾ ምኽኣልን ግዜ ዝወስድ ክእለት እዩ።

ቖልዑት ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኮኑ፡ ሰባት ካብቲ ናቶም ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ፣ ስምዒትን ድልየትን ከምዘለዎም ክግንዘቡ ይጅምሩ።

እዚ ሓድሽ ዝቀላቐል ዓቕሚ "ክልሰ ሓሳብ ሓንጎል" ዝብሃል ኮይኑ ቖልዑት ኣዕርኽቲ ክፈጥሩ ዘኽእሎም ምዃኑ በዓልቲ ሞያ ስነ ልቦና ኢሌን ኬዴኒ-ሞር ተረድእ።

ቖልዑት ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ መጻወቲ ሜዳ ምስ መዘናታቶም ጥቡቕ ዝምድና ንምፍጣር ዘኽእሎም ዘይተገደበ ኣመለኻኽታ ምሕዝነት ኣለዎም።

"ቖልዑት ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ምስ ዘለው ካልኦት 25 ሰባት ኣብ ሓደ ክፍሊ ብሓደ ስለ ዝውዕሉ ዕርክነት ንምፍጣር ካብ ዓበይቲ ብዝሓሸ ዕድል ኣለዎም። ኣብ ዓበይቲ ዕርክነት ክትእልሾን ክትሃንጾን ጻዕሪ ይሓትት'ዩ" ክትብል ተረድእ እታ ክኢላ።

ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝብሎ፡ ዓበይቲ ምስ ሓደ ሰብ ካብ ምፍላጥ ክሳብ ተራ ዕርክነት ንክበጽሑ 50 ሰዓታት፣ ንሓድሕዶም ከም መሓዙት ቅድሚ ምቅርራቦም 90 ሰዓታት፣ ሓድሕዳዊ ስምዒታቶም ክፋለጡን ክለዋወጡን ናይ ቐረባ መሓዙት ንምዃን ድማ ልዕሊ 200 ሰዓታት ብሓባር ከሕልፉ ከምዘለዎም የረድእ።

"ጽቡቕ ዕርክነት ዳርጋ ብፍቕሪ ከም ምትሓዝ'ዩ። ጽቡቕ ምሕዝነት ድማ ቖልዑት ኣብ ህይወቶም ጥቡቓት ዝምድናታት ንምፍጣር ዘኽእሉዎም ዓቕሚታት ዝረኽብሉ'ዩ። በዚ ድማ ብዛዕባ ነብሶምን ካልኦትን ይፈልጡ፣ ብሕታውነት፣ ቅንእን ስግኣትን ከመይ ትሰግሮም ዝብሉ ክኣ ይመሃሩ" ክትብል ኬኔዲ-ሞር ትገልጽ።

ቖልዑት ኣብ ገዝኦም ብዛዕባ ኣዕርኽቶም ዘየውግዑ እንተኾይኖም ግን መሓዙት የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ወለዲ ድማ ደቆም ኣዕሩኽ ንኽረኽብ ክሕግዙዎም ኣለዎ።

ጥዕናዊ ረብሓታት

ቖልዑት ጥዑይን ጽኑዕን ምሕዝነት ከማዕብሉ ምኽኣሎም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ረብሓ ኣለዎም።

መጽናዕታት፡ ጥቡቕ ዕርክነት ንነዊሕ እዋን ምዕቃብ ኣብ ጥዕና መትኒ ነርቭን ከምኡ'ውን ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምምዕባል ሓጋዚ ተራ ኣለዎ ይብሉ።

ብ2010 ዝተኻየዱ 148 መጽናዕታት፡ ጽኑዕ ምሕዝነት ምትካኽ ሽጋራ ጠጠው ካብ ምባል፣ ክብደት ሰብነት ምንካይን ካልኦት ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ምግባርን ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ጽኑዕ ወይ ድልዱል ናይ መሓዙትን ቤተሰባዊ ምትእስሳርን ክህልወካ እንተኽኢሉ 50 ሚኢታዊት ናይ ሞት ሓደጋ ምንካይ ከም ዝክኣል የመልክት።

ብሕታውነት ወይ ካብ ሰብ ዝተነጸልካ እንተኼንካ ግን ብልክዕ ኣብ መዓልቲ 15 ሽጋራ ከም ምትካኽ ዝግመት ናይ ሞት ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣብ 20 ሽሕ ኣመሪካውያን ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ።

ዩኒቨርሲቲ ሃርቫድ ካብ 1983 ጀሚሩ ልዕሊ 700 ደቂ ተባዕትዮ ንጉዕዞ ህይወቶም ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰባት ኣብ 50ታት ዕድሚኦም ክበጽሑ እንከለው ብዝነበሮም ዕርክነት ዕጉባት ከም ዝኾኑን ኣብ ኣካላዊ ጥዕንኦም ዝሓሸ ተራ ከም ዘለዎን ኣረጋጊጹ።

ስለ ዝኾነ "ሓደሽቲ ኣዕሩኽ ከጥሪ ደንጉየ ኣይብሃልን፤ ግን ኣቐዲምካ ምጅማር ከኣ ዓብዪ ነገር'ዩ" ትብል ዳንዎርዝ።

ጥዑያት ምሕዝነታት ቖልዑት ኣብ ህይወቶም ኣጸጋሚ ኩነታት ከጋጥሞም እንከሎ ንክሰግሩዎ ይሕግዝ።

ጥዑይ መሓዛ ዘለዎም ቖልዑት ከኣ ካብ ብሕታውነትን ጭንቀትን ይገላገሉ።

"ልዑል ደረጃ ጥዑይ መሓዛ ዘለዎም ቖልዑት ልዑል ስነ ልቦናዊ ጽንዓት የርእዩ። እቲ ጥዑይ መሓዛ ድማ ኣብ ህይወቶም ነገራት ናይ ምቕያር ዝሓሸ ክእለታት ዘለዎ ኮይኑ ተራእዩ'ዩ" ትብል ግራበር።

እቲ ጥዑይ መሓዛ ጸገማት ጥራይ ዘዕልል እንተኾይኑ ናይ ጭንቀት ምልክታት ክውስኹ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ናይ ባህሊ ፍልልያት

ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ካብ ምስ ሓደ ሰብ ምዃን ኣባላት ስድርኦም መሓዙቶምን ዝርከብሉ ናይ ብዙሓት ሰባት ምትእኽካባት ዝመርጹ ሰባት ኣለው።

ኣብ ገጠራት ወይ ናእሽቱ ከተማታት ዝነብሩ ሕብረተሰብ ደቆም ምስ ኣሕዋቶም ወይ ኣዝማዶም ናብ ቤት ትምህርቲ ስለዝኸዱ ነዚኦም ከም ናይ ቀረባ መሓዙቶም ይርእዩዎም።

በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ጥዑይ መሓዛን ቤተሰብን ዘሎ ኣፈላላይ ክርድኦም ከም ዘይኽእል መምህር ኣንትሮፖሎጂ ዩኒቨርሲቲ ሳክሰስ ኢቫን ኪሊክ ትዛረብ።

ንኣብነት ንሳ ኣብ ጫካ ኣማዞን ብዛዕባ ዝርከቡ ሕብረተሰብ ኣጽኒዓ እያ።

እዚኦም ምስ ዝኾነ ኣባል ስድራኦም ብፍላይ ድማ ወዲ ሓው ኣቦኦም ዝህሉ ርክብ ከም ዕርክነት ከም ዝቐጽሩዎ ትገልጽ።

እዞም ኣሻኒንካ ዝተባህሉ ክፋል ሕብረተሰብ ንዓቕመ ኣዳም ምስ በጽሑ ወይ ምስ ጎበዙ ከምኡ'ውን ንግዳዊ ልውውጥን ናይ ሓዳር መጻምድን ንምርካብ ክደልዩ እንከለው እዮም ካብ ኣባል ስድሮም ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ምድላይ ዝጅምሩ።

ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ድማ ሩስያውያን ንዕርክነት ዓብዪ ቦታ ከም ዝህቡን፡ እዚ ኣብ እምነትን ቅርበትን ዝተሞርኮሰ ከም ዝኸውንን የመልክቱ።

ነዚ ታሪኻዊ ምኽንያት ወይ ጽልዋ ከም ዘለዎ እትገልጽ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኩቤክ ማሪና ዱቺሬይን "ኣብ እዋን ሕብረት ሶቭየት ዋላ'ውን ኣብ ሞንጎ ኣባላት ስድራ ናይ ቐረባ መሓዛ ክህልወካ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ካብዚ ብዝብገስ ሰባት ውሑዳት ዝኣምኑዎም ሰባት ምሓዝ ዝብል ከም መፍትሒ ተጠቒሞምሉ። እምነት ከኣ ኣብ ሞንጎ ሩስያውያን ሕምብርቲ ዕርክነት እዩ" ትብል።

ብኣንጻሩ ካናዳውያን ናይ ሰባት ናጽነት ምኽባር ኣብ ዝብል ዝኣምኑን ካብ ናይ ቀረባ መሓዙቶም ትጽቢት ዝገብሩዎ ውሑድ ምዃኑን ይጠቅስ።

ስለ ዝኾነ እንተደሊኹም ከም ማሕበረተሰብ ኣሻኒንካ፣ እንተደሊኹም ድማ ከም ሩስያውያን ወይ'ውን ኣቡሳላማ [ዶልፊን] ከም ድላይኩምን ምርጫኹምን ኣብ ህይወትኩም መሓዛ ወይ ዓርኪ ክህልወኩም ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ።

ንገሊኡ ኣብ ቑልዕነት ዝጅምር ንገሊኡ ድማ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቁውም ነገር ግን ጥዑይ መሓዛ ንከተፍሪ ደንጉየ'የ ዘይምባል እዩ።