ተፈጥሮ፡ ብጌጋ ካብ ኣንታርክቲክ ናብ ኒውዝላንድ 3,000 ኪሜ ዝተጓዕዘ ፐንጒን

Published

ሓደ ባህርያዊ ማሕድሮኡ ኣብታ ብበረድ ዝተሸፈነት ክፍለዓለም ኣንታርክቲካ ዝኾነ ፍሉይ ፐንጒን፡ ካብ ቦትኡ 3,000 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ገማግም ሃገረ ኒውዚላንድ ተረኺቡ።

በዚ ኣብ ዘይሓሰቦ ቦታ ዝበረቐ 'ኣደሊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ፐንጒን ዝተገረሙ ነበርቲ ናይቲ ዝተራእየሉ ከባቢ፡ 'ፒንጉ' ክብሉ ናይ ቅብጥሮት ቅጽል ኣጠሚቖሞ ኣለዉ።

ነባሪ እቲ ኣብ ከተማ ክራይስትቸርች ዝርከብ ከባቢ ዝኾነ ሃሪ ሲንህ፡ መጀመርታ ምስ ርኣዮ "ልስሉስ ባንቡላ" ከምዝመሰሎ ተዛሪቡ።

ኣደሊ ፐንጒን ኣብ ገማግም ባሕሪ ኒውዚላንድ ክርከብ እዚ ንሳልሳይ ግዜ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ።

እቲ ነባሪ ናይቲ ከባቢ፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ገማግም እተዛነዩ እንከለዉ'ዩ ንፈለማ ግዜ ነቲ ፐንጒን ሪኤሞ።

"መጀመርታ፡ ልስሉስ ባንቡላ'ዩ መሲሉኒ፡ ሃንደበት ግን እቲ ፐንጒን ርእሱ ኣንቀሳቒሱ፡ ሽዑ ድማ'የ ናይ ብሓቂ ምዃኑ ኣስተውዒለ" ክብል ሲንህ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ዝተለጠፈ ቪድዮ እቲ ፐንጒን ዝተደናገረን ዝጸመዎን መሲሉ ይርአ።

"ንሓደ ሰዓት ኣይተንቀሳቐሰን . . . ዝደኸመ'ዩ [ዝመስል]" ይብል ሲንህ።

በቶም ኣብቲ ገማግም ፊንፊን ዝብሉ በላዕቲ እንስሳታት ከይብላዕ ዘሻቐሎ እቲ ነባሪ፡ ንዝምልከቶም ካላት ድሕነት ፐንጒን ሓቢሩ።

"ኣብ ከብዲ ከልቢ ወይ ድሙ ክኣቱ ኣይደለናን" ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ደሴት እታ ሃገር ብክንክን ፐንጒን ዝፍለጥ ቶማስ ስትራክ በጺሑ። በዚ ኸኣ ቶማስ፡ ምስ ካልእ ሓኪም እንስሳ ብምዃን ኣብታ ምሸት ነቲ ፐንጒን ኣድሒኖሞ።

ጥምየትን ጽምእን

ብዝተገብረሉ መርመራ ደም፡ እቲ ፐንጒን ትሕቲ-ሚዛን ኮይኑን ጸሚኡን ተረኺቡ። ስለዚ ድማ ፈሳሲ ተዋሂብዎ፡ ብቱቦ ድማ ተመጊቡን።

ኣብ መወዳእታ፡ ትንፋስ ምስ መለሰ፡ ኣብቲ ኣኽላባት ዘይብሉ 'ባንክ ፐኒንሱላ' ዝተባህለ ወሽመጥ ክልቀቕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ፍጻመ ኣብታሪኽ ንሳልሳይ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ'ዩ። ኣብ 1993 ከምኡ'ውን ኣብ 1962 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣደሊ ፐንጒን ኣብ ገማግም ኒውዚላንድ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣደሊ ኣብታ ሃገር ምርኣይ ንቡር ኣይኮነን፡ እናበዝሑ እንተኸይዶም ግን ዘሻቕል ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል ኪኢላታት ይእምቱ።

"ዓመት ዓመት ኣደሊ ፐንጒን ክንርኢ እንተጀሚርና፡ ኣብቲ ውቅያኖስ ገለ ክንርድኦ ዘለና ነገር ኣሎ ክንብል ንጅምር ይመስለኒ"ክብል ኣብ ኦታጎ ዩኒቨርሲቲ ናይ ስነ-እንስሳ ፕሮፌሰር ፊሊፕ ሴዶን፡ ንመርበብ ዜና ዘ ጋርድያን ተዛሪቡ።

"ተወሳኺ መጽናዕቲ ምግባር ፐንጒን ናበይ ከምዝኸዱ፡ እንታ ይከምዝገብሩን ኣብ ብዝሖም ዘሎ ለውጥታት እንታይ ከምዝመስልን ምፍላጥ፡ ብዛዕባ ጥዕና ስርዓተ-ማሕድሮ ባሕሪ ገለ ኣመት ክህበና'ዩ" ኢሉ።