ማላውያን ብሞት ቀዳማዊት እመቤት ነበር ኣን ቺድዚራ ሙሉዚ ሓዘኖም ይገልጹ'ለዉ

ቀዳማዊት እመቤት ነበር ኣን ቺድዚራ ሙሉዚ

ምንጪ ስእሊ, TWITTER/ SKCHILIMA

Published

ኣብ ማላዊ ንፈለማ እዋን፡ "ቀዳማዊት እመቤት" ዝብል መዓርግ ዝረኸበት ወይዘሮ ኣን ቺድዚራ ሙሉዚ፡ ኣብ 69 ዓመታ ዓሪፋ።

ፕረዚደንት ማላዊ "ንነብሳ ወጺዓ ሰባት እተኽብር ትሕትን ብልጽትን" ክብል ገሊጹዋ።

እታ ኣብ ማላዊ ብልዑል ኣኽብሮት እትርአ ኣን ቺድዚራ ሙሉዚ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ናይ ውልቀ ሆስፒታል እያ ብሕማም መንሽሮ ሞይታ።

በዓል ቤታ ባኪሊ ሙሉዚ ኣብ 1994 ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ምስተመርጸ እያ ቀዳማዊት እመቤት ማላዊ ኮይና።

እቲ ካብ ናጽነት ማላዊ ኣትሒዙ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረዚደንት ሃስቲስ ካሙዙ ባንዳ ብወግዒ ኣይተመርዓወን ነይሩ ።

ሚስተር ባንዳ ምስታ "ወግዓዊ ተቐባሊት ጋሻ" ዝብል መዓርግ ዝሃባ ሰሲልያ ካድዛሚራ ዝስማ ጸሓፊቱ እዩ ዝነብር ነይሩ።

እዚ ናይ ሕጂ ፕረዚደንት ማላዊ ኣልኣዛር ቻክወራ ብዛዕባ ሞት እታ ቀዳማዊት እመቤት ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ተገሊጹ።

"ማላዉያን ንማዳም ቺድዚራ ሙሉዚ ጥቕሚ ገዛእ ርእሳ ዘይትደሊ ንህዝቢ ብትግሃት እተገልግል ትሕትን ሓላዪትን ሰብ ገይሮም እናዘከርዋ ክነብሩ እዮም" ኢሉ።

ኣብቲ ናይ ሓዘን መግለጺ፡ ምክትል ፕረዚደንት ሳውሎስ ክላውስ ቺሊማ፡ እታ ቀዳማዊት እምቤት በቲ ንህዝቢ ክትሕግዘሉ ዘቖመቶ "ትካል ናጽነት" ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ስኡናትን መሳኪን ቈልዑን ከም ዝሓገዘት መስኪሩ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ "እታ ሰናይ ልቢ ህርመታ ኣቋሪጻ፡ እታ ሰናይ ነፍሲ ከኣ ናብ ሰማይ ዓሪጋ" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።

መንግስቲ፡ ብዛዕባ ብዛዕባ ምምላስ ሬሳኣ ካብ ኬንያን ሰነ-ስርዓት ቀብርን ብዝምልከት ገና ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ወ/ሮ ሙሉዚ ግንባር ዲሞክራስያዊ ሕብረት ንእተሰምየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝመርሕ አቱፔለ ሙሉዚ እተባህለ ሓደ ውላድ ኣለዋ።

ንሳ ምስ በዓል ቤታ ብ1999 ተፈላልያ፤ ንሱ ከኣ ክሳዕ 2004 ፕረዚደንት ኰይኑ ኣገልጊሉ።