ብሪጣንያ፡ መግቢ ምብላዕ ኣብያ ብምባል ንጓል 3 ዓመት ህጻን ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ

ፖል ማርሽ

ምንጪ ስእሊ, Kent Police

Published

ኣብ ብሪጣንያ፡ ንሓንቲ ጓል ሰለስተ ዓመት ስንክልና ዘለዋ ህጻን፡ ዝተቐረበላ ምሳሕ ምብላዕ ኣብያ ብምባል ዝቐተለ ውልቀሰብ፡ ን11 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ።

ወዲ 27 ፖል ማርሽ፡ እታ ጀሲካ ዳልግሊሽ ዝተባህለት ህጻን ንዝቐረበላ መግቢ ምብላዕ ምስ ኣበየቶ፡ ኣንጸርጺሩ ከቢድ ማህረምቲ ከምዘውረደላ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።

ብድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ንገበኑ ንምኽዋል ካብ መደየቢ ደረጃታት ከምዝወደቐት ክገልጽ ፈቲኑ ይብል ሓደ ካብቲ ዝቐረበሉ ክሲታት።

ማርሽ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ህጻን ብዘርኣዮ ጭካነን ብቅትለት ሰብን ተኸሲሱ ገበነኛ ኮይኑ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ እዚ ናይ ሎሚ ፍርዲ ተዋሂቡ ዘሎ።

ጀሲካ፡ ኣብ ድሮ ልደት 2019 ኣብ ሆስፒታል ምዕራፋ ይፍለጥ።

እቲ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ክንክን ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ሓሪቑ ብሓይሊ ምስ ደርበያ፡ ምስ ሓደ ተሪር ነገር ብርእሳ ተጋጭያ ይብል እቲ ዝቐረበሉ ክሲ።

'ቃንዛን ስቓይን'

ኣዲኣ ንጀሲካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ነቲ ገበነኛ "እንስሳ" ከምኡ'ውን "ኣራዊት" ብዝብሉ ቃላት ገሊጻቶ ነይራ።

"እዚ ዝቐተላ ኣራዊት፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይቲ ክፉእ ሂወቱ ክሳቐ እልምን" ክትብል ነቲ ቤት ፍርዲ ተማሕጺና ነይራ።

"ጓለይ ምስኣነይ ዘይወጽእ ጓሂ'ዩ ንዓይ፡ ጀሲካ ብርሃን ዓለም'ያ ነይራ" ብምባል ድማ ዘለዋ ጓሂ ገሊጻ።

ናይቲ ቤት ፍርዲ ዳኛ ካቫናህ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ "ብምሉኡ ቤተሰብ በቲ ተቖጽዩ ዘሎ ህይወት ጀሲካ ይሓዝን፡ ኣቃታትልኣ ምፍላጦም'ውን ይሳቐዩ" ብምባል፡ ሞት ናይታ ህጻን ኣብ ብዙሓት ሰባት ከቢድ ሓዘን ከምዘስዓበ ጠቒሱ።

መርማሪ ፖሊስ ከባቢ ኬንት፡ ኒል ኪምበር፡ ማርሽ ናብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምምርሑ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ፡ ሂወት ሓንቲ ንእሽቶ ቆልዓ ከይጀመረ ዝመልዓሰ ዘሕዝን ጉዳይ እዩ" ክብል ገሊጽዎ።

በቲ ዘስዓበላ ማህረምቲ ምስ ቆሰለት ናብ ሕክምና ኣብ ክንዲ ዝወስዳ፡ ገበኑ ዝሸፋፍነሉ መንገድታት ንምንዳይ ዝገበሮ ፈተነታት'ውን ጠቒሱ። ኣብ ክንዲ 999 ዝድውል፡ ገበኑ ንምኽዋል ጽዒሩን ሓስዩን።

እቲ ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ስልጠና ዝወሰደ ማርሽ፡ ከልዕላ ከምዘይብሉ እናፈለጠ ካብቲ ዝወደቐቶ ምልዓሉ'ውን ተወሳኺ ጌጋ ምንባሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።

እቲ ውልቀሰብ፡ ቅድሚኡ ምስ ናይ ምምሃር ጸገም ዘለዎም ዓበይቲ (ብጹሓት) ሰባት ከም ተሓጋጋዚ ይሰርሕ ምንባሩ ኣብ ቤት ፍርዲ ተገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ ሞት ጀሲካ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ደገፍ ኣተሓሕዛ ቆልዑ ዳግመ-ግምት ከምዝተገብረሉ ይግለጽ።

ምስቲ ኩነታት ብዝተሓሓዝ ዝተኻየደ ተወሳኺ ጸብጻብ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክግለጽ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።