ቻይናዊ ኣቦ ድሕሪ ናይ 24 ዓመት ኣለሻ ምስዝተጨወየ ወዱ ተራኺቡ

ጉዎ ጋንግታንግ ምስ ወዱ 13 ሓምለ 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጉዎ ጋንግታንግ (የማን) ወዱ ሓቒፍዎ
Published

ቻይናዊ ኣቦ ድሕሪ ናይ 24 ዓመታት ኣለሻ፡ ብኣሰጋገርቲ ተጨውዩ ምስ ዝነበረ ወዱ ተራኺቡ።

እቲ ኣቦ፡ ወዱ ንምድላይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 500,000 ኪሜ (310,000 ማይል) ብሞተር ሳይክል ተጓዒዙ።

ወዱ፡ ነቲ ጉዎ ጋንግታንግ ዝተባህለ ኣቦ፡ ወዲ ክልተ ዓመት እናሃለወ እዩ ኣብ ግዝኣት ሻንዶንግ ካብ ዝርከብ ኣፍ ደገ ገዝኦም ብኣዘዋወርቲ ደቂ ሰባት ዝተሰረቐ።

ምጥፋእ ናይቲ ህጻን ነቲ ኣብ 2015 ፍሉጥ ተዋሳኣይ ሆንግ ኮንግ ኣንዲ ላው ዝተሳተፈሉ ፊልሚ መበገሲ ኮይኑ እዩ።

ጭውያ ህጻናት ኣብ ቻይና ዓብዪ ጸገም እዩ፤ በብዓመቱ ድማ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ህጻናት እዮም ዝጠፍኡ።

ሚኒስትሪ ድሕነት ቻይና ከምዝገለጾ፡ ፖሊስ ናይ ሰረት ዘርኢ (ዲኤንኤ) መርመራ ብምግባር መንነት ናይቲ ህጻን ክፈልጥ ክኢሉ። ግሉባል ታይምስ ድማ ክልተ ተጠርጠርቲ ከምዝተኣሰሩ ጸብጺቡ።

እቶም ኣብቲ እዋን ፍቕራዊ ርክብ ዝነበሮም ክልተ ተጠርጠርቲ፡ ቆልዓ ጨውዮም ብምሻጥ ገንዘብ ንምርካብ ከምዝኣለሙ ቻይና ኒውስ ሓቢሩ።

እታ ታንግ ብዝብል ቅጽል ስም እትፍለጥ ተጠርጣሪት፡ እቲ ህጻን ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ እናተጻወተ ምስረኸበቶ፡ ኣብ መዋፈሪ መካይን ኮይኑ ይጽበያ ናብ ዝነበረ ሁ ዝተባህለ ካልኣይ ተጠርጣሪ ሒዛቶ ከይዳ።

ድሕሪኡ እቶም ፍቑራት፡ ነቲ ህጻን ናብ ግዝኣት ሄናን ወሲዶም ሸይጠምዎ።

ወዱ ንኣይተ ጉዎ፤ ክሳብ እቲ ዝተረኸበሉ እዋን ኣብታ ግዝኣት እዩ ዝነብር ነይሩ።

ጉዎን በዓልቲ ቤቱን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ወዶም ምስ ተራኸቡ ተሓቛቒፎምዎ ይበኽዩ ከምዝነበሩ ወኪል ዜና ሲሲቲቪ ጸብጺቡ።

እታ ሽማ ዘይተገለጸት ኣደ፡ ኣብታ ዝተራኸቡላ ህሞት ኣብ ዝተቐደሐ ቪድዮ " ወደይ፡ ተመሊስካ መጺኻ!" ኢላ ክትዛረብ ትስማዕ። ወላዲኡ ድማ "ውላድና ስለዝተረኸበ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ታሕጓስ ጥራሕ እዩ ክህሉ" ክብል ተዛሪቡ።

ተዋሳኣይ ሆንግ ኮንግ፡ ኣንዲ ላው፡ ነቶም ስድራቤት እንቋዕ ደስ በለኩም ኢልዎም።

ጉዎ፡ ወዱ ኣብ 1997 ምስተጨወየ፡ ኣብ ልዕሊ 20 ግዝኣታት ብሞተር ሳይክል ዘይሩ ከምዝኣለሾ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ከይዲ እዚ ጉዕዞ ብሓደጋ ናይ ዓጽሚ መስበርቲ ኣጋጢምዎ፣ ናይ ጽርግያ ዘረፍቲ ከቲሮምዎን 10 ሞተር ሳይክላት ዓንየንኦን።

ጉዎ ናይ ዝጠፍአ ወዱ ፎቶ ሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Weibo

መግለጺ ስእሊ, ጉዎ ስእሉ ሒዙ፡ ንወዱ ኣብ መላእ ቻይና ኣሊሽዎ

ናይ ወዱ ስእሊ ዘለዎ ተበላታት ተሰኪሙ ብምዛር፡ ዝቖጠቦ ገንዘብ ኣብ ምንዳይ ወዱ ከምዘውዓሎን፡ ኣብ ጉዕዝኡ ገንዘብ ምስ ዝውድእ ኣብ ትሕቲ ቢንቶታት እናደቀሰን ካብ ሰባት እናለመነን ወዱ ይደሊ ከምዝነበረ እውን ይግለጽ።

መሪሕ ኣባል ዝጠፍኡ ሰባት ዘራኽብ ትካል ብምዃን ብውሑድ ሸውዓተ ዝኾኑ ሰባት ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ሓጊዙ።

ኣብ ቻይና ጭውያን ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ህጻናትን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ጸገም እዩ።

ኣብ 2015 ኣብታ ሃገር 20 ሽሕ ህጻናት ከምዝጭወዩ ተገሊጹ ነይሩ። መብዛሕተኦም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ንዝርከቡ መዕበይቲ እዮም ዝሽየጡ።