ኢትዮጵያ፡ ተምሃሮ ነቀምቴ ንናይ ቀደም መምህሮም ሽልማት መኪና ኣበርኪቶም

Published

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ነቀምቴ፡ ተምሃሮ እንከለዉ ናይ ሒሳብ [ቁጽሪ] መምህሮም ንዝነበረ መምህር "ንናትና ወለዶ ንዝገበርካዮ ውዕለት" ኢሎም 750 ሽሕ ዋጋኣ መኪና ከምዝሸለምዎ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝነበሩ ናይ ቀደም ተምሃሮ፡ ናይ ሒሳብ መምህሮም ንዝነበረ ኣቤል ቡልቻ ካብ ዘለዎም ክብርን ፍቅርን ብተወሳኺ ነቲ ዝገበረሎም ውዕለት ብቐዋምነት ንምዝካር ስለዝደለዩ እዮም ነታ መኪና ገዚኦም ከምዘበርከቱሉ ዝዛረቡ።

እቶም ነዚ ሸልማት ዘዳለዉ ተምህሮ ብቑጽሪ ሓደ ሚኢቲ ዝኾኑ እዮም።

ኣቶ ኣቤል ቡልቻ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ካልኣይ ብርኪ [ካልኣይ ደረጃ] ኣብያተ ትምህርቲ ምሂሩ እዩ። ብተወሳኺ ተምሃሮ ንምሕጋዝ ኣብ ገዝኡ ይምህር ከምዝነበረ ተምሃሮኡ ይዛረቡ።

ነቶም ናይ ቀደም ተምሃሮ ኣተሓባቢሩ ነቲ ሽልማት ዘዳለወ ብዙሃን ተሾመ ብወገኑ፡ መምህር ኣቤል "መጻኢ ህይወትና ዕዉት ክኸውን" ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ እዩ ይብል።

ካብ ተምሃሮ መምህር ኣቤል ዝነበረ ብዙሃን፡ ብካኒካዊ ምህንድስና ተመሪቑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይሰርሕ ኣሎ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ መምህር ኣቤል ትምህርቲ ቁጽሪ ክፈልጡ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ህይወቶም ኣዛሚዱ ክፈትውዎን ክርድእዎን ከምዝገበሮም ይገልጽ።

ክእለት እቲ መምህር ክገልጽ እንከሎ ድማ ንትምህርቲ ሒሳብ ከም ተዋጋኢት ላሕሚ ክትሃድሞ ዘይኮነስ ከም ጽቡቕ መሓዛኻ ክትፈትዎ ዝገብር እዩ ክብል ይንእዶ።

መትከላት ሒሳብ ክርድኡ ከምኡ እውን ን 20 ዓመታት ዝተውሃቡ ናይ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ፈተናታት ብናይ ባዕሉ ድልየት ኣኪቡ ኣብ ገዝኡ ንተምሃሮኡ የረድእ ከምዝነበረ እውን ይዝክር።

"መብዛሕቴና ንትምህርቲ ብፍላይ ንቁጽርን ሳይንስን ዘለና ፍቕሪ ከም ዝውስኽ ገይሩ።"

ብዙሃን ከምዝብሎ መምህር ኣቤል ካብ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ገዝኡ ተምሃሮ ብትምህርቲ ሒሳብ ይሃንጾም ነይሩ።

ካብ ምምሃር ብተወሳኺ "ብውልቁ ተምሃሮ ዝመክርን ከም ኣቦ ዝመርሕን፡ ብዝተፈለየ ፍቕሪ ዘዕበየና ኮይኑ ኩሎም ተምሃሮ ብፍሉይ ይፈትውዎ" እውን ይብል።

መምህር ኣቤል ትምህርቲ ቁጽሪ ብዋዛን ናይ ህይወት ተጓንፎን እናዘናጋዐ እዩ ዝምህር።

"ትምህርቲ ሒሳብ ከመይ ምስ ህይወት ዝተተሓሓዘ ከምዝኾነ እናርኣየ ምምሃሩ ፍሉይ ይገብሮ" ክብል ይገልጾ እቲ ናይ ቀደም ተምሃራዩ።

እዚ ውጽኢታዊ ክኾኑ ከምዝገበሮም ዝገልጽ ብዙሃን፡ ከም ሃገር እውን ብምኽንያት እቲ መምህር ተምሃሮ ከተማ ነቀምቴ ዝሓሸ ውጽኢት ከመዝግቡ ከምዝገበሮም ይዛረብ።

"ቅድሚ ሕጂ ትምህርቲ ሒሳብ፡ ቁጽሪ ጥራይ እዩ ዝመስለና ነይሩ። ኮይኑ ግና ምስ ናትና ህይወት ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ምስ ናይ ህይወት ተሞክሮና ኣዛሚዱ ከም እንርዳእ ገይሩና።"

መምህራን ተምሃሮ ምስ ፊደላት ኣላልዮምን ኣምሂሮምን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክበጽሑ ኩሉሻብ ይደኽሙ። እንተኾነ እቲ ኣበርክቶኦም ብዙሕ ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣይረኣይን።

እቶም ናይ ቀደም ተምሃሮ ነቲ ሽልማት ንመምህሮም ዘበርከቱሉ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተኾነ፡ ንውዕለት እቲ መምህር ግን ኩሉሻብ ይዝክርዎ ከምዝነበሩ ብዙሃን ተዛሪቡ። እቲ ሽልማት ምስ ኣበርክቶ እቲ መምህር እንክነጻጸር ድማ ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ ይብል።

መምህር ኣቤል ብዛዕባ እቲ ሽልማት እንታይ ይብል?

መምህር ኣቤል ኣብ ከባቢ መቱ እዩ ሞያ መምህርነት ጀሚሩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ድማ ናብ ከተማ ነቀምቴ መጺኡ።

ናብ ነቀምቴ ምስ መጸአ ናይ ካልኣይ ደረጃ መዛዘሚ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ተምሃሮ ክልተ ጥራይ ልዑል ነጥቢ ኣምጺኦም ብምርኣዩ ፡ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ይዝክር።

ኣብቲ እዋን ርእሰ መመህር ናይታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ መምህር፡ ነቶም መንእሰያት መምህራን ኣኪቦም ከምዘማኸርዎም እውን ይገልጽ።

ኣቶ አቤልን መሳርሕቱን ናይቶም ተምሃሮ ውጽኢት ንምምሕያሽ ጽዒሮም፤ እቶም ተምሃሮ እውን ኣየሕፈርዎምን።

ጥሮታ ንምውጻእ ተቓሪቡ ዘሎ ወዲ 58 ዓመት መምህር ኣቤል፡ እቲ ሽልማት ዘይተጸበዮ ከምዝኾነ ብምግላጽ "ኣነ ካብቲ እቶም ተምሃሮ ዘበርከቱለይ ህያብ ንላዕሊ፡ ገሊኦም ደኳትር፥ ገለ ፓይለትን መሃንድሳትን ኮይኖም ምርኣየይ የሐጉሰኒ። ትወልዲ ብትምህርቲ ብቑዕ ክኸውን ካብ ምግባር ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር የለን" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ሒሳብ እናምሀረ ዝርከብ መምህር ኣቤል፡ ቅድሚ ሕጂ መኪና ኣይነበሮን ጥራሕ ዘይኮነስ "ክህልወኒ እያ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን'የ" ይብል።

"ብናይ መምህር ደሞዝ መኪና ምግዛእ ዝሕሰብ ስለዘይኮነ፡ መዘወሪ ፍቓድ ከውጽእ እውን ሓሲበ ኣይፈልጥን።"

ብዙሃን ብወገኑ እዚ ሽልማት ንመምህር ኣቤል እኳ እንተተውሃበ፡ ብሓፈሻ ግን ትውልዲ ኣብ ምህናጽ ዋጋ ንዝኸፈሉ መምህራን ነቀምቴ ብምውካል ከምዝወሰደ እዩ ዝሕሰብ ኢሉ።