ሳሙኤል ኤቶ ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ኮይኑ ተመሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዉሩይ ካሜሩናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ሳሙኤል ኤቶ፡ ንፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ሃገሩ ንዝቕጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት ክመርሕ ተመሪጹ፡፡
ኣርባዕተ ግዘ ‘ኣፍሪቃዊ ተጻዋቲ እዚ ዓመት’ ተባሂሉ ዝተመረጸ ኤቶ፡ ኣብ ኮንፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ራብዓይ ምኽትል ፕረዚደንት ንዝኾነ ሰይዶ ምቦምቦ ንጆያ ብምስዓር እዩ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ፡፡
ንፕረዚደንትነት ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ንምውድዳር ሸውዓተ ሰባት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቶም ሓሙሽተ ብኣጋ ነቲ ንሕንሕ ገዲፎምዎ፡፡
ወዲ 40 ዓመት ሳሙኤል ኤቶ፡ ስፖርት እታ ሃገር ንምዕባይ ሰፋሕቲ ምምሕያሻት ከምዝገብር ቃል ኣትዩ፡፡
‘‘ተጻዋቶ ኩዕሶ እግሪ ናብ ማእከል ፖሊሲታትና ክነምጸኦም ኣለና’’ ዝበለ ኤቶ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ካብቲ ስፖርት ክርብሑ ምግባር ናትራ ተራ እዩ ኢሉ፡፡
ነበር ተጻወታይ ጋንታታት ባርሴሎና፣ ኢንተር ሚላንን ቼልሲን ኤቶ፡ ኣብ ናይ መሪሕነት እዋኑ ብውሑድ 10 ሜዳታት ኩዕሶ ከምዝሃንጽ እውን ቃል ኣትዩ፡፡
ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥርን ለካቲትን ሃገሩ እትእንግዶ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፡ መራሒ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን ኮይኑ ክዓዪ እዩ፡፡
ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዘበርከተቶም ተጻዋቶ እቲ ዝበለጸ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ሳሙኤል ኤቶ፡ ንሃገሩ ዝበዘሐ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታ ኮይኑ፡ ኣብ 16 ዓመቱ እዩ ኣብ 1996 ኣኣ ናብ ሓያል ስፔናዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ተጸምቢሩ፡፡
ብልቓሕ ኣብ ጋንታታት ሌጋነስ፣ ኢስፓኞልን ሞላርካን ድሕሪ ምጽዋቱ፡ ድማ ኣብ 2000 ንማሎርካ ብቕዋምነት ብምፍራም ኣብ 133 ጸወታታት 54 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይታ ጋንታ ክብረ ወሰን ዝለዓለ ሸቶ ክሕዝ ክኢሉ፡፡
ኣብ 2004 ናብ ባርሴሎና ምስተጸምበረ ምስ ጋንትኡ ሰለስተ ናይ ላሊጋ ጽዋዓት ዝወሰደ ኮይኑ፡ ኣብ 2006ን 2009 ኣብ ጸወታታት ፍጻመ ሻምፒዮንስ ሊግ ሸቶታት ብምምዝጋብ ጋንትኡ ጽዋዕ ክተልዕል ሓጊዙ እዩ፡፡
ኣብ 2006 ድማ ኣብ 34 ጸወታታት 26 ሸቶታት ብምምዝጋብ ፈላማይ ተዓዋቲ ወርቂ ጫማ ስፔን ኮይኑ፡፡
ኣብ ናይ ካምፕ ኑ ጻንሒቱ ኣብ 144 ጸወታታት 108 ሸቶታት ዘመዝገበ ኤቶ ፡ ኣብ 2009 ናብ ኢንተር ሚላን ምስተዘጋገረ ድማ ሳልሳይ ጽዋዕ ሻምፒዮንስ ሊግ ከምኡ እውን ጽዋዕ ሰሪ ኤን ፊፋ ክለብ ወርልድ ካፕ 2010ን ወሲዱ፡፡
ዘይሰዓሩ ኣናብስ ተባሂላ እትጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን ኣብ 2000ን 2002ን ብተኸታታሊ ተዓዋቲት ጽዋዕ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን ዝሓገዝ ኤቶ፡ ኣብቶም ውድድራት 18 ሸቶታት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን በዝሒ ሸቶ እቲ ውድድር ኣመዝጊቡ እዩ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ጸወታታት ኦሎምፒክ፡ ኣብ ውድድር ፍጻመ ሸቶ ብመምምዝጋብ ሃገሩ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ክትከውን ገይሩ እዩ፡፡






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
