ብኮቪድ ዝተለኽፈ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሲ ኣብ ሕክምና ይናበ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ሲሪል ራማፎሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሲ ብኮቪድ ከምዝተለኽፈ ዝተረገጋገጸ ኾይኑ፤ ኣብ ሕክምና ኣትዩ ይናበ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ወዲ 69 ፕረዚደንት ቀለልቲ ምልክታት ዘርአየ እንትኸውን፡ ኣብ ከተማ ኬፕታውን ንበይኑ ተፈልዩ ተወሺቡ ይርከብ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ እዚ ሓደሽ ዓሌት ኦሚክሮን ካብ ዝርከበላ ጀሚሩ ሰፊሕ መልከፍቲ ኣርእያ ኣላ።

ሓደ መጽናዕቲ ከምዝብሎ ኦሚክሮን ናይ ምልባዕ ዓቕሙ ሰፊሕ እንተኾነ'ኳ፤ ምስቶም ቅድሚኡ ዝተርአዩ ዓሌታት እንትነጻጸር ፍኹስ ዝበለን ምልክታት ዘርእን ሞት ናይ ምስዓብ ክእለቱ ትሑትን እዩ።

ቅድም ክብል፡ ፕረዚደንት ዩኬ ቦሪስ ጆንሶን፣ ዶናልድ ትራምፕ [ከፕረዚደንት ኣመሪካ እናሃለወ] ፕረዚደንት ብራዚል ጀይር ቦልሶናሮ ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ፈረንሳእ ኢማኑኤል ማክሮን ገለ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተለኽፉ መራሕቲ ሃገራት እኦም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሚስተር ራምፎሲ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፈ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፤ መንግስተታዊ ሓላፍነቱ ንምክትሉ ዴቪድ ማቡዛ ተኪኡ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እቲ መግለጺ ከምዝብሎ፤ እቲ ፕረዚደንት ስነ ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ነበር ኤፍዳብልዩ ዲ ክለርክ ምስተሳተፈ እዩ ሕማም ክስመዖ ጀሚሩ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጽቡቅ ኩነታት ዝርከብ ከምዝኮነ ዝገለጸ ኾይኑ፤ ደኳትር ጥቡቅ ክትትል ይገብርሉ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ እቲ ፕረዚደንት ዝርከበሉ ዝርዝር ኩነታት ዘየብረሀ ኮይኑ፡ ምስኡ ርክብ ነይሩዎም ዝተብሃሉ ኩሎም ክውሸቡ ተነጊርዎም ኣሎ።

ሚስተር ራምፎሳ፡ ኣብ ቀረባ ንሸውዓተ መዓልታት ናብ ናይጀርያ. ኣእቮሪኮስት፣ ጋናን ሰኔጋልን ገይሹ ነይሩ ተባሂሉ።

ወኪል ቢቢሲ ኣብ ኣብ ጆሃንስበርግ ኖምሳ ማሴኮ፤ ገለ ካብቶም መኻይዲ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ናይጀርያ ተመርሚሮም መልከፍቲ ከምዝተረኸቦም ኣረዲኡ።

እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ክታበት ከምዝወስደ ዝግለጽ ፕረዚደንት፡ ካልኦት ካብ ናቱ ተማሂሮም ክኽተቡን ግቡእ ጥንቃቐታት ክገበሩን ምዒዱ።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ ክታተበት ዘሎ ጥርጣረታት 30 ሚኢታዊት ጥራይ ከምዝተኸትበ እዩ ዝዝረብ።

ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ 24 ሕዳር እዮም ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኦሚክሮን ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጦም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ ዘሻቕል ዓሌት ክብል ምስ ገለጾ ክታበት ኣብ ምክልኻሉ ክንድዚ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነ ድማ ኣብሪሁ።

ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ጉዕዞ እገዳ ዘንበራ ኾይነን፡ እንተኾነ ምስፍፋሕ እቲ መልከፍቲ ጠጠው ምባል ኣይተኽኣለን።

ገለ ኣብ ድሩት ሓበሬታ ዝተመስረቱ ዝተብሃሉ መጽናዕቲታት ከምዘርእዩዎ፡ መልከፍቲ ኦሚክሮን ኣዝዩ ፈጣን እንተኾነ'ኳ፤ ብእኡ ዝተለኽፉ ሰባት ቀለልቲ ምልክታት ከምዘርእዩን መጠን ሞት ውሑድ ምዃኑን እዩ።

ትማሊ ካብ ዝተወስደ መረዳእታ፡ ካብ 20 ሽሕ መልከፍቲ 20 ሞት ተመዝጊቡ ተባሂሉ። ብኣንጻሩ ደልታ ዝተብሃለ ዓሌት ኣብ ዝተስፋፈሐሉ እዋን፤ 20 ሽሕ መልከፍቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፤ መጠን ሞት 200ን 300ን ከምዝነበረ ተሓቢሩ።