ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓላፍነት ስርሑ ብጊዚያውነት ንምኽትሉ ኣረኪቡ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ሓገዝ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ወዲ 69 ዓመት ራማፎዛ ፎኮስቲ ምልክታት ከምዘለውዎን ኣብ ነብሰ ውሸባ ከምዝርከብን ተሓቢሩ’ሎ።

ፕረዚደንት ራማፎሳ ብድሕሪ ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዴ ክለርክ ምርካቡ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ጥዕና ኣይተሰምዖን ተባሂሉ።

በዚ ምኽንያት ምሉእ ሓላፍነት ስርሑ “ንዝቕጽል ሓደ ሰሙን” ናብ ምኽትል ፕረዚደንት ዴቪድ ማቡዛ ከምዘረከበ ተገሊጹ።

ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ዘመልክተ መግለጺ ቤተመንግስቲ እታ ሃገር፡ ብዶክተር ክትትል ይግበረሉ ምህላዉ ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

ራማፎዛ ናብ ናይጄርያ፣ ኣይቮሪኮስት፣ ጋናን ሰኔጋልን ንዝገበሮ ናይ ሸውዓተ መዓልታት ምብጻሕ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ከምዝተመለሰ ይዝከር።

ገለ ምስኡ ዝገሹ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ናይጄርያ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ምስተረጋገጸ ብቐጥታ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበሩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳ ማሴኮ ሓቢራ።

መግለጺ ቤተመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዘመልከቶ፡ እቲ ፕረዚደንትን ምስኡ ሓቢሮም ዝገሹ ኣባላት ጉጅልኡን ኣብ ዘዝበጽሕወን ሃገራት ምርመራ ኮሮናቫይረስ ይገብሩ ነይሮም’ዮም።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ናቱ በቲ ቫይረስ ምልካፍ ሰባት ኣገደስቲ ጥንቃቐታት ንኽገብሩን ክታበት ንክኽተቡን ትምህረቲ ዝህብ ምዃኑ ምዝራቡ ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣስታት ናይ 18,000 ሰባት ሓድሽ መልከፍቲ ዝተመዝገበ ኮይኑ፤ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ግን ሕዚ’ውን ክታበት ንምውሳድ ፍቓደኛታት ከምዘይኮኑ ይግለጽ።