ጋዜጠኛ ሲ-ኤን-ኤን ንበዓልስልጣን ሓዉ ሓጊዙ ተባሂሉ ካብ ስርሑ ተኣልዩ

ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ክሪስ ኩሞ ምስ ኣማሓዳሪ ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ክሪስ ኩሞ ምስ ሓዉ ኣማሓዳሪ ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ
Published

ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ክሪስ ኩሞ ኣማሓዳሪ ክፍለሃገር ኒውዮርክ ንዝነበረ ሓዉ ኣብ ዝቐረቦ ክሲ ገበን ጾታዊ ትንኮያ ንምክልኻል ሓጊዙ ተባሂሉ ካብ ሲኤንኤን ተባሪሩ።

ሲኤንኤን ኣብዚ ውሳነ ክበጽሕ ዝኸኣለ፡ ጋዜጠኛ ክሪስ ኩሞ ኣብ ገበን ክሲ ሓዉ ዝነበሮ ተሳትፎ ብዝምልከት ተወሳኺ መረዳእታ ምርካቡ ስዒቡ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣማሓዳሪ ከተማ ኒውዮርክ ዝነበረ ኣንድሪው ኩሞ፡ ካብ ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ትንኮያ ፈጺምካ ዝብል ክሲ ምስ ቀረቦ፡ ካብ ሓላፍነቱ ዝለቐቐ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ እዩ ነይሩ።

ወዲ 51 ዓመት ጋዜጠኛ ክሪስ ኩሞ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ውሳነ ሲኤንኤን ከምዘሕዘኖን ምስቲ ትካል ዝነበሮ ጻንሒት ብኸምዚ ኩነታት ክዛዘም ድሌት ከምዘይነበሮን ተዛሪቡ።

እቲ ጋዜጠኛ ካብ 2013 ጀሚሩ ምስ ሲኤንኤን ክሰርሕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ካብቶም ኣዝዮም ዝፍለጡ ኣቕረብቲ ዜና ሓደ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ ኣመሪካ’ውን ኣብ ግንባር ኮይኖም ካብ ዝመርሑ ጋዜጠኛታት ሓደ እዩ።

መግለጺ ሲኤንኤን ከምዝብሎ፡ ክሪስ ኩሞ ፖለቲከኛ ሓዉ ካብ ዝቐረቦ ገበን ጾታዊ ትንኮያ ንምክልኻል እንታይ ተሳትፎ ከምዝነበሮ ንምጽራይ ኣዝዩ ፍሉጥ ናይ ሕጊ ትካል ቆጺሩ እዩ።

እንተኾነ፡ እዚ ሕጋዊ ምርመራ ኣብ ዝካየደሉ እዋን፡ ኣብ መንጎኡ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ዝገለጸ እቲ ትካል ሚድያ፡ ነዚ ክውስን ከምዝተገደደ ገሊጹ።

ክሪስ ኩሞ፡ ሓዉ ካብቲ ዝተመስረቶ ክሲ ነጻ ንክወጽእ ብድሕሪት ኮይኑ ሓጊዙ ዝብል ሓበሬታ ካብ ዝስማዕ ጀሚሩ ካብ ስራሕ ተኣጊዱ እዩ ጸኒሑ።

ሲኤንኤን፡ ክሪስ ኩሞ ኣብቲ እዋን ዝነበረሉ ኩነታት ኣጽኒዑ፡ ንሱ ጉዳይ ስድርኡ ከምዘቐድምን እንተኾነ ነቲ ፖለቲከኛ ዝገበሮ ሓገዝ፡ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ዝጥሕስ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።

ካብ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኒውዮርክ ሌቲሺያ ጀምስ ኣቢሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝወጽአ ሰነድ፡ እቲ ጋዜጠኛ ሓዉ ካብ ገበን ንምክልኻል ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ሓው ዝሰርሐሉ ቤት ጽሕፈት ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝፈተነን እዩ ዘርኢ።

"ንዓይ ክትኣምኑኒ ይግባእ" ክብል ንጸሓፊት ሓዉ ሜሊሳ ዴሮሳን ናይ ስልኪ መልእኽቲ ዝሰደደ ኾይኑ፡ ወሲኹ ድማ፡ "ዘይንወጽኦ ጌጋ ኢና ንፍጽም ዘለና" ኢሉ።

ኣብ ካልኦት መራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ ዝሰርሑ ንምዝርራብን ተመሳሳሊ ገበናት ክሲ ጾታዊ ትንኮያ ንምክትታልን ተመጻቢዑ ከምዝነበረ’ውን ተዛሪቡ።

ንሰራሕተኛታት ሲኤንኤን ዝተጽሓፈን ኒውዮርክ ታይምስ ዝተመልከቶን ደብዳበ ፕረዚደንት ሲኤንኤን ጄፍ ዙከር፡ "እዞም ውሳነታት ቀለልቲ ኣይኮኑን፤ ካልኦት ሕልኽልኽ ዝበሉ ጉዳያት’ውን ኣለዉ" ኢሉ።