ሕርሲ ዝተትሓዘት ኣባል ፓርላማ ኒውዚላንድ ብሳይክላ ናብ ሆስፒታል ብምኻድ ተገላጊላ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተመራጺት ኣባል ፓርላማ ኒውዝላንድ ጁሊ ኣኔ ጌንቴር ኣብ እዋን ሕርሲ ብሳይክላ ናብ ሆስፒታል ከይዳ፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ተገላጊላ ተባሂሉ።

እታ ፖለቲከኛ ሳይክል እናዘወረት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ከምዝነበረት ምፍላጥ ተኻኢሉ።

"ሓቂ ንምዝራብ ብሳይክል ናብ ሆስፒታል ከይደ ቆልዓ ክገላገል ሓሳብ ኣይነበረንን። ግን ከምኡ ኾይኑ" ክትብል ኣብ ፌስቡክ ገጻ ኣስፊራ።

እታ ወሃቢት ቃል ሓምለዋይ ፓርቲ ዝኾነት ጁሊ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት'ውን ሚኒስተር እናሃለወት ብተመሳሳሊ ተጓዒዛ ከምዝሓረሰት ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ንሳ፡ ኣብ ክንዲ መኪና ምሽክርካር ሳይክል ምጥቃም ብምጉስጓስ እያ እትፍለጥ።

እታ ጓል 41 ዓመት ፖለቲከኛ፡ ምስ በዓል ገዛኣ ብሳይክል ናብ ሆስፒታል ንምኻድ እንትትውስን ኣዝዩ ከቢድ ቃንዛ ሕርሲ ከምዘይነበራ ተዛሪባ።

ምስ በዓል ገዛኣ ኣብቲ ሆስፒታል ናይ መኪና ጠጠው መበሊ ቦታ ምስ በጽሐት ድማ ኣሳእል ተልዒላ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ጠቂዓ።