ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቁጽሪ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 9.4 ሚልዮን በጺሑ- ሕቡራት ሃገራት

ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ዝተመዛበሉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, WFP/Leni Kinzli

Published

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት 9.4 ሚልዮን ከምዝበጽሑ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ገይሩ።

ወሃቢ ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቶምሰን ፈሪ ትማሊ ኣብ ጀኔቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ 9.4 ሚልዮን ሰባት ሕማቕ ህይወት ይመርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ካብዚኦም እቶም 80 ምኢታዊት ማለት’ውን 7.8 ሚልዮን ዝኾኑ ብሰንኪ እቲ ኵናት ረድኤት ክበጽሖም ከምዘይከኣለ እቲ ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ኣመና ይውስኽ ከምዘሎ ዝሓበረ ቶምሰን ፈሪ፡ ኣብዚ እዋን 3.7 ሚልዮን ነበርቲ ክልል ኣምሓራ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም ኢሉ።

ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይን ዓፋርን ካብ ዝርከቡ ህጻናት እቶም 18 ሚኢታዊት ብዋሕዲ ዝተመጣጣነ መግቢ ዝተጠቕዑ’ዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ 50 ምኢታዊት ነብሰ ጾርን መጥበውትን ኣደታት ብዋሕዲ ዝተመጣጣነ መግቢ ከምዝተጠቕዓን በዚ ድማ ሕቡራት ሃገራት ከምዝተሻቐለ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ሕቡራት ሃገራት ናይ መግቢ ረድኤት ዝጸዓና መካይን ካብ ኮምቦልቻ ናብ ደቡባዊ ትግራይ ይልእኽ ከምዘሎ ብምግላጽ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልትታት 2,200 ሜትሪክ ቶን ናይ ህይወት መድሕን መግቢ ናብ መቐለ ክበጽሕ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም “ኣብ ትግራይ ን2.5 ሚልዮን ሰባት ረድኤት ክዕድል እንዳተገበአኒ ዛጊድ ዘብጻሕኽዎ ረድኤት ግን ነቶም 180 ሽሕ ጥራይ’ዩ” ኢሉ።

“ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ’ኳ ኣዋጅ ጥምየት ኣይተኣወጅ ነቲ ዘሎ ኩነታት መግለጺ ቃላት የብልናን” ዝበለ እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ንዝርከቡ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ናይ መግቢ ረድኤት ከምዘቕረበሎም ኣዘኻኺሩ። እተን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝኣትዋ ንድሓር ንመጀመርታ እዋን ረድኤት ከምዘከፋፈለ ተገሊጹ።

ኣብ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኻዚኖ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ 4 መዓልትታት ከምዝተዘመተ ቶምሰን ምግላጹ ዝዝከር’ዩ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኣስታት 3.2 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከምዝዓደለ እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

ካብዚኦም እቶም 220 ሽሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ እቶም 124 ሽሕ ከኣ ካብ ክልል ዓፋር ከምዝኾነ ተፈሊጡ።