እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንወተሃደራዊ ሓበሬታታት ምሃብን ምዝርጋሕን ዝኽልክል መምርሒ ኣውጺኡ

ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብዝተኣሳሰር ካብቲ ስልጣን ዝተወሃቦ ኣካል ወጻኢ ዝተፈላለየ ጸብጻባትን ትንታነታትን ምሃብን ምዝርጋሕን ከምዝተኸልከለ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣፍሊጡ።

እቲ እዚ ንኣፈጻጽማ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብምግምጋም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕንቅፋት ምዃኖም ኣብ ዝገለጾም ኣርባዕተ ጉዳያት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ሓበሬታታትን ካብ ዝምልከቶ ኣካል ወጻኢ ከይወሃብ ኣዚዙ።

"ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ውጽኢታት ውዕሎ ዓውደ ኲናትን ብዝምልከት ስልጣን ካብ ዝተወሃቦ ኣካል ወጻኢ፡ ናይ ሲቪል ኮነ ወተሃደራዊ መራሕቲ ብዝኾነ መራኸቢ ብዙሓን መግለጺ ምሃብን ምዝርጋሕን" ዝተኸልከለ ምዃኑ ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ "ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነት ብዝብል ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቃም፡ ነቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ብምድጋፍ ኣብ ወፍሪ ህልውና ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ" እቲ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣጠንቂቑ።

እቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕትታቶም ብምቕጻል ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይግስግሱ ከምዘለውን ኣብ ከባቢ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ምህላዎም ክገልጹ እንከለው መንግስቲ ግን ነዚ ይነጽጎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ነቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ኲናት ብኣካል ንምምራሕ ናብቲ ግንባራት ከም ዝኸተተን ካልኦት ብዙሓት'ውን ይስዕብዎ ምህላዎም ይግለጽ።

መንግስቲ ቀደማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሃገሩ "ደጋዊ ጸቕጥን ምትእትታው ሃገራት ምዕራብን ከም ዝበዝሓን ዝተዋደደ ጎስጓስ ሚዲያታት ይካየደላ ከም ዘሎን" ይገልጽ።

line

እቲ ኣፈጻሚ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኪንዮ ምዝርጋሕ ሓበሬታን ንመራኸቢ ብዙሓንን ካልእ ክልተ ትእዛዛት ከውጽእ እንከሎ ንሳቶም'ውን ብዛዕባ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራትን ናይ ጸጥታ ኣካላት ናይ ደንቢ ልብሲ ኣጠቓቕማን ዝምልከቱ እዮም።

መንግስትን ህዝብን ኣብ ልዕሊ ህልውና እታ ሃገር ንዝተሰንዘረ ንዝበሎ መጥቃዕቲ ንምቅልባስ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከምዝርከቡ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም እቲ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ዝፈቕዶ ወጸኢ "መሰጋገሪ መንግስቲ ወይ'ውን ካልእ ሕጋዊ ዘይኮነ መንግስቲ ክንምስርት ኢና" እናበሉ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ብተወሳኺ'ውን ኣባል ኣካላት ጸጥታ ዘይኮነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ኩነተት፣ ቦታን ግዜን ናይ ሰራዊት ምክልኻል፣ ናይ ፌደራል ፖሊስን፣ ናይ ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ፖሊስን ናይ ደንቢ ልብሲ ምኽዳን ፍጹም ዝተኸልከለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዚ ኣርባዕተ ትእዛዛት ዝጥሕሱ ሰባት ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝተኣዘዙ እቲ ኣፈጻሚ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ጥቅምቲ 23/2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተግባራዊ ክኸውን ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ እዩ።

እቲ ኣዋጅ "ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላውነትን እታ ሃገር ከቢድ ሓደጋ" ስለዝገጠሞን ነቲ ሓደጋ "ብንቡር ሕጋዊ ስርዓት ምቁጽጻር ስለዘይተኻኣለን ትካላት ጸጥታ ድሕነትን ከምኡውን ዜጋታት ብምውህሃድ ነቲ ሓደጋ ንምቅልባስ" ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።

ነቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝከታተሎን ዘፈጽሞን 'እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ' ዝተባሃለ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተኻተቱሉን እዚ ብኤታማጆርሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝምራሕን ተጸዋዕነቱ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነን ኣካል እዩ።