ሰበይቱ ኣብ ኢራን ዝተኣሰረቶ ብሪጣንያዊ፡ ን21 መዓልታት ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
በዓል ቤት ብሪጣንያዊት-ኢራናዊት ናዛኒን ዛጋሪ ራትክሊፍ፡ ድሕሪ 21 መዓልቲ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ደው ኣቢሉ፡፡
ሪቻርድ ራትክሊፍ፡ ሰበይቱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኢራን ክትፍታሕ መንግስቲ ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብር ብምጥላብ ኣብ ኣፍ ደገ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ተቓውሞ ክገብር ቀንዩ እዩ፡፡
ንሰበይቱ ነቲ ተቓውሞ ደው ከምዘብሎ ቃል ከምዝኣተወላን፡ ውላዱ‘‘ኣቦን ኣዶን ስለዘድልያ’’ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ሙሉእ ምርመራ ጥዕና ከምዝገብርን ገሊጹ፡፡
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ድማ ነታ ኣብ ኢራን ተኣሲራ ዘላ ዜጋ ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡
ብሰለላ ተኸሲሳ ንዝሓለፉ ሓሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰር ዝጸንሐት ዛጋሪ ራትክሊፍ፡ ንካልኣይ ግዘ ኣብ ዝተወሰነላ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ዘቕረበቶ ስምዕታ ተቐባልነት ኣይረኸበን፡፡
ንሳ ኣብ 2016 ንጓላ ምስ ስድራቤታ ንምልላይ ናብ ኢራን ምስከደት እያ መንግስቲ ንምዕላው ብምውጣን ተኸሲሳ ተኣሲራ፡፡ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪድዋ ድማ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ገዛ ጸኒሓ፡፡
በዓል ገዝኣ ሪቻርድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ክሊማ ኮፕ26 ዝመጹ ልኡኻት ኢራን ጸቕጢ ብምፍጣር ሰበይቱ ክትፍታሕ እንተሓገዞ ብምትስፋው እዩ ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ተቓውሞ ጀሚሩ፡፡
ንዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ድማ ፈሳሲ ጥራሕ እናወሰደን ኣብ ኣፍደገ ዋይትሆል ኣብ ንኡሽቶ ኬንዳ እናደቀሰን ቀንዩ፡፡
ኮይኑ ግና ኣብ ኣእጋሩ ቃንዛ ክስመዖ ስለዝጀመረ ምስ ዶክተር ተዘራሪቡ ነቲ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ደው ከብሎ ከምዝወሰነ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ንበዓልቲ ቤቱ እውን ኣብቲ ደረጃ እንተበጺሑ ደው ከምዘብሎ ገሊጹላ ምንባሩ ሓቢሩ፡፡
‘‘እዚ ኩሉ በይነይ ኣይምሓለፍኩዎን’’ ክብል ድማ ንዝሓገዝዎ ሰባት ኩሎም ኣመስጊኑ፡፡
ኣብ እዋን እቲ ኣድማ መጺኣ ዝበጸሐቶ ተወካሊት ፓርላማ እቲ ዝነብረሉ ከባቢ ማእሰርቲ ሰበይቱ ኣብ ቤት ምኽሪ ከምዝተዘተየሉን ድጋፍ ከምዝረኸበን ተዛሪባ፡፡
ሪቻርድ ራትክሊፍ ምስ ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ጄምስ ክለቨርሊ ብሓሙስ ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ ንቦሪስ ጆንሰን ግና ከምዘይበጸሖም ንጉዳይ ሰበይቱ እኹል ኣቓልቦ ከምዘይሃቦን ብምግላጽ ነቒፉዎ፡፡








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
