ብራዚል፡ ፖሊስ ኣድማ ምስ ጀመሩ ኣብ ሓሙሽተ መዓልቲ 147 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
Published
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ብራዚል ኣብ እትርከብ ከተማ ሰየራ፡ ወተሃደራዊ ፖሊስ እታ ሃገር ኣድማ ምስ ጀመሩ ኣብ ውሸጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ጥራይ 147 ሰባት ተቐቲሎም።
ኣብ ብራዚል መጠን ቅትለት ሰብ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክብ ከምዝበለን፡ ነዚ ንምቑጽጻር ድማ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ሰራዊት ተዋፊሮም ከምዘለው ተገሊጹ።
እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓመጽን ቅትለተን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት እታ ሃገር ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ፈስቲቫላት ክስረዝ ተገይሩ'ሎ።
ፖሊስ እቲ ደሞዝ ክወሰኸሎም ዘቕረብዎ ጠለብ ስለዘይሰመረ፡ ለካቲት 19 እዮም ኣድማ ጀሚሮም።
ብመሰረት ሕጊ ብራዚል፡ ፖሊስ ኣድማ ክገብሩ ኣይፍቀድን እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ነዚ ሕጊ ዝጠሓሰ ክእሰር ከምዝኽእል ኣብ ከራ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ወሳኔ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ልዕሊ 200 ኣድማ ዝገብሩ ፖሊስ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎም ኣለው።
ትማሊ ሰኑይ፡ ሚኒስተር ምክልካልን ሚኒስተር ፍትሒን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብኸመይ ነቲ ቅልውላው ክቆጻጸርዎ ይፍትኑ ከምዘለዉ ንምዕዛብ ኣብታ ከተማ ኣቲዮም ኣለው።
ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር እቲ ቅልውላው ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእቲዮሞ ከምዘለው ሓቢሩ'ሎ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
