ኣብ ክልል ሶማል ዝተኣሰሩ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

Published

ማእኸሉ ኣብ ክልል ሶማል ገይሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ መደብር ቴሌቪዥን ነበድ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ምዕጻዉ ስዒቡ ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ናይቲ ቴሌቭዥን ትማሊ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ብሚኒስተር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን ኢትዮጵያ ነበር ፊልሰን ዓብዱላሂ ከምዝውነን ዝተነገረሉ መደብር ቴሌቭዥን ነበድ ሰራሕተኛታቱ ተኣሲሮም ዝተዓጸወ ብዝፈነዎ ትሕዝቶ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊጹ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ኢብራሂም ሑሴን፣ ሰልማን ሙክታር፣ ሙሓመድ ቃሲምን ሂርሲ መሓመድን ኮይኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 1 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ካብ እቲ ዝሰርሕሉ መደበር ቴሌቭዥን ከምዝተኣሰሩ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብቲ ሽዕኡ መዓልቲ ኣቦ እታ ሚኒስተር ነበር ዝኾኑን ኣካያዲ ስራሕ መደበር ቴሌቭዥን ነበድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ንጽባሕቱ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ።

ንኣርባዕቲኦም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ዘቕረበ ፖሊስ ሶማል ንቤት ፍርዲ ተወሳኺ ናይ ምርመራ ግዜ ክወሃቦ ብዝሓተቶ መሰረት 10 ተወሳኺ መዓልቲ ተዋሂብዎ’ሎ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣርባዕቲኦም ጋዜጠኛታት ኣብ ምርመራ ከምዝርከቡ ካብ ፖሊስ ጅግጅጋ ከምዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።

እቶም ጋዜጠኛታት ምስተኣሰሩ ብዛዕባ ድሕነቶም ንኸጻሪ ናብቲ ዝተኣሰርሉ መደበር ፖሊስ ከምዝበጽሐ ዝሓበረ እቲ ማሕበር “ኣብ ዙርያ እቲ ዝተጠርጠርሉ ገበን ምርመራ ይካየደሎም ከምዘሎ ፖሊስ ነጊሩና። ካብኡ ብተወሳኺ ፖሊስ ንጽባሕቱ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕርቦም ሓቢሩና” ክብል ገሊጹ ነይሩ።

እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቅልጡፍ ፍትሒ ንኽወሃቦም’ውን እቲ ማሕበር ጸዊዑ።

ምኽንያት መዕጸውን ማእሰርትን መደበር ቴሌቭዥን ነበድን ጋዜጠኛታቱን ሓደ ፕሮግራም ከምዝኾነ ዝሓበረት ሓላፊት ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማል ኣያን ሽኩሪ ዖስማን: “ከም ማሕበር ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ሓደ ፕሮግራም መደበር ቴሌቭዥን ምዕጻዉን ጋዜጠኛታት ምእሳርን ፍትሓዊ’ዩ ዝብል እምነት የብልናን” ኢላ።

መንግስቲ ቅድሚ ነቶም ጋዜጠኛታት ምእሳሩ ክኽተሎም ዝግባእ ስርዓተ ሕጊ ከምዝነበሩን ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ጉዳይ ብምምሕዳራዊ ከይዲ ክፍታሕ ከምዘለዎ ኣያን ንቢቢሲ ገሊጻ።

ነቶም ጋዜጠኛታት ጸዊዕኻ ምዝርራብ፣ ናይ መጠንቀቕታ ደብዳቤ ወይ’ውን ነቲ ዝተፈነው ፕሮግራም መእረምታ ክስራሕ ክቕድም ነይርዎ ዝብል እምነት ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልል ሶማሌ ከምዝኾነ ወሲኻ ሓቢራ።

“ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ነቲ ኣብቲ ክልል እንዳዓምበበ ዝመጽአ ናይ ሚድያ ነጻነት ዘቐምስል’ዩ። መንግስቲ ናጽነት ሚድያ ከኽብር፣ እቶም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም እቲ መደበር ቴሌቭዥን ናብ ስሩዕ ስርሑ ክምለስን ንጽውዕ” ክትብል እታ ሓላፊት ተዛሪባ።

ቢቢሲ ንማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ምኽንያት ዝኾነ ትሕዝቶ ዝረኣየ ኮይኑ ተወለድቲ ክልል ሶማሌ ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ እንታይ ከምዝመስል ዝድህስስ ኮይኑ ደሚርካ እንትርአ ደቂ ካልእ ከባቢ ኣብ ሶማል መጺኦም ክሰርሑ ይረኣዩ ሶማላውያን ግን ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ከይዶም ከምዘይሰርሑ ዝገልጽ’ዩ።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ “ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት ብደቂ ካልእ ክልላት ስለዝተትሓዘ ሶማላውያን ተዓዘብቲ ኮይኖም ይርብሑ የለዉን” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘሉ’ዮም።

መደበር ቴሌቭዥን ነበድ ኣብ ክልል ሱማል ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝተጣየሸ ብሕታዊ ናይ ውልቀ ሚድያ’ዩ።