እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒጀር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 25 ህጻናት ተመሃሮ ቐቲሉ
ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኒጀር ናሕሱ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምቅጻሉ ብውሕዱ 25 ካብ ሓሙሸት ክሳብ ሽዱሽተ ዓመቶም ተማሃሮ ከም ዝሞቱን ብዙሓት ሓደጋ ምንዳድ ከም ዘጋጠሞምን ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
እቲ ኣብ ዞባ ማራዲ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ እናተማሃሩ እንከለዉ ከም ዘጋጠመን መበገሲ እቲ ባርዕ ይጻረ ምህላዉን ክፍለጥ ተገሊጹ።
ኣብ ኒጀር እኹል ብመንደቕ ዝተሰርሐ መምሃሪ ክፍልታት ስለ ዘየለ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ብጣውላን ብሳዕርን ገይረን ክፍልታት ክውስኻ ምርኣይ ንቡር እዩ።
ኣመሓዳሪ ከተማ ማርዲ ቻይቡ ኣቡቢካር ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ ባርዕ ሰለስተ ክፍልታት ምሉእ ንምሉእ ከም ዝተቃጸላ ገሊጹ።
ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዙሕ ሬሳታት ካብቲ ዝተቃጸለ ክፍልታት ክወጽእ ከም ዝርኣየን እቶም ብህይወት ዝተረፉ ናብ ሆስፒታል ንኽውስዱ ናብ መኪና እናተሰቐሉን ከም ዝተዓዘበን ሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ፡ ብኸቢድ ዝተሃስዩ ከም ዝርከቡዎም'ውን ሰብ መዚ ገሊጾም ኣለዉ።
እታ ቤት ትምህርቲ ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝውሃብ ተዓጽያ ክትጸንሕ እያ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት'ውን ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር ኒያመይ ብተመሳሳሊ ሓደጋ መብዛሕትኦም ተማሃሮ መውዓሊ ህጻናት ዝርከብዎም 20 ተመሃሮ ምማቶም ዝዝከር እዩ።