እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን: ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ቀጻሊ ኣብ ዝምስረት መንግስቲ ከምዘይሳተፍ ገሊጹ
ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን: ኣብቲ ድሕሪ መሰጋገሪ እዋን ዝጣየሽ መንግስቲ ክሳተፍ ከምዘይደሊ ንኣልጀዚራ ተዛሪቡ፡፡
ንሱ፡ ነቲ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈጸሞ ዕልዋ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ቀቲሉ ዝብል ክሲ እውን ነጺጉ፡፡
ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ድልየት ከምዘለዎም ዝሓበረ ኣልቡርሃን: እቲ ስግግር ብዝኾነ ኢድ ኣእታውነት ከይተዓናቐፍ ከምዝከላኸሉ ተዛሪቡ፡፡
ኮሚተ ሓካይም ሱዳን ዝተባህለ ማሕበር ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ካብ 26 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝተኻየደ ነቲ ዕልዋ ዝቃወም ሰልፊ 14 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 300 ቆሲሎም ኣለዉ፡፡
ነቲ ክሲ ዝነጽግ ኣልቡርሃን ግና ‘‘ሰራዊት ሱዳን ሲቪላት ኣይቐትልን’’ ክብል ንኣልጀዚራ ተዛሪቡ፡፡
ብተወሳኺ ዋላ‘ኳ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት እንተሃለዉ፡ ኣብቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ብዛዕባ ዝህልዎም ብጽሒት ፖለቲካዊ ጉጅታት ሱዳን ኣብ ዝቕጽሉ 24 ሰዓታት ክሰማምዑ እዮም ኢሉ ተስፋ ከምዝግብር ምግላጹ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ንቕልውላው ሱዳን ፍታሕ ንምርካብ ልኡኽ ሊግ ዓረብ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ፡፡
ብኻልእ ዜና 'ሕመቲ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዛዚ ተወርዋሪ ሓይልታት ሱዳን፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ነቲ ጀነራል ኣልቡርሃን ዘካየዶ ዕልዋ ከምዝደገፈ ተገሊጹ፡፡
ምክትል ናይቲ ዝፈረሰ ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዝነበረ ሄመቲ፡ ጀነራል ቡርሃን ‘‘ናታቶም መስመር ንምዕራይን ምርግጋእን ንድሕነት እታ ሃገር ምሕላውን እዩ መጺኡ’’ ኢሉ፡፡
ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተኮሱን ዝተወሰኑ መምህራን ከምዝኣሰሩን ተገሊጹ ነይሩ፡፡
እቶም ሰልፈኛታት ወታሃደራዊ ምምሕዳር ከበቅዕ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ፡፡