እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊብያ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ
ኤርትራውያን ዝርከብዎም 172 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኒጀር ከምዝገዓዙ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጨንፈር ሊብያ ሓቢሩ።
"እዚ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ኒጀር ዝካየድ ዘሎ ፈላሚ በረራ'ዩ። ካብ ሊብያ ዝግበር ናይ ሂወት-ኣድሕን በረራ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ተስፋ ዝህብ'ዩ" ክብል እቲ ትካል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ክሳብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝሰጋገሩ ኣብቲ ኣብ ኒጀር ዝርከብ ውሑስ መጽኒሒ ማእከል ዝጽበዩ'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰብመዚ ጸጥታ ሊብያ ኣብ ልዕሊ'ቶም ብዘይደገፍን መጽለልን ዝርከቡ ኤርትራውያን ተሓተቲ ዕቑባ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ሞትን መቑሰልትን ኣስዒቡ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ሰብመዚ ሊብያ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብምቅዋም፡ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ከስምዑ ተራእዮም።
ብሰንኪ'ዚ ሰብመዚ ሊብያ በቲ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዝተጎድኡ ስደተኛታት ዝበጽሐ ግፍዒ ይቕሬታ ሓቲቶም።
ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ኣብ ጎደናታት ክድቅሱን፡ ንሓደጋ ክቃልዑን ተገዲዶም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ብመኪና ተሃሪሙ ምቕታሉ "ኣዝዩ ከምዝሓዘነ" ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ኤርትራዊ ትማሊ ኣብ ርእሰከተማ ትሪፖሊ ብመኪና ተሃሪሙ ምቕታሉ "ኣዝዩ ከምዝሓዘነ" ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
እዚ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ናይ ምጉዓዝ ስጉምቲ ንገለ ቀዳምነት ዝወሃቦም ተስፋ ዝህብ'ኳ እንተኾነ፡ ንብዙሓት ግን ዘይጭበጥ ሕልሚ'ዩ።
ብስሩዕ ኣገባብ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ከምዘይክእሉ ዝፈለጡ ስደተኛታት፡ ንማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን፡ ብቐጻሊ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም'ዮም ዝምለሱ።
ብረቡዕ ጥራይ 22 ቆልዑ ዝርከብዎም 357 ስደተኛታት ናብ ትሪፖሊን ዘዊያን ከምዝተመልሱ ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ብሰንኪ ዘጋጥሞም ናይ ጃልባ ሓደጋታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት የረድኡ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ንነዊሕ እዋን ኣብቲ ማእከል ክጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ትጽቢት ነዊሕዎም ተቓውሞታቶም የስምዑ ምንባሮም ይዝከር።