ብሰንኪ ካብ ነፋሪት ወሪዶም ብዝሃዶሙ ተሳፈርቲ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ስጳኛ ተዓጽዩ

ነፋሪት ኤይር አረቢያ ማሮክ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ኣብ ሓደ ብተሳፈርቲ ዝተመልአ መዕርፎ ነፍርቲ ስጳኛ [ስፔን]፡ ዘይሕጋዊ ተሳፈርቲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ምፍታኖም ስዒቡ፡ ንሰዓታት ተዓጽዩ ጸኒሑ።

ካብ ሞሮኮ ካዛብላንካ ተበጊሳ ናብ ርእሰ ከተገማ ቱርኪ ኢስታንቡል ትበርር ዝነበረት ነፋሪት፡ ብሓደጋ ሕክምና ምኽንያት ኣንፈታ ብምቕያር፡ ናብ ስፔን ከተማ ፓልማ ዴ ማሎርክ ክዓርፍ ተገዲዱ።

እታ ነፋሪት ኣብ ከተማ ስፔን ምስ ዓረፈት ግና፡ 21 ተሳፈርቲ ኣብቲ መንደርደሪ ጠጠው ዝበሉ ነፈርቲ ኣቋሪጾም ተሓቢኦም ናብታ ከተማ ምእታዎም እዩ ዝዝረብ።

ፖሊስ ዝተወሰኑ ኣብ ቀይዲ ከእቱ እንተኸኣለ'ኳ፡ እቶም 12 ዛጊድ ተሓቢኦም ከምዝርከቡ ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ካብታ ነፋሪት ከምልጥ ዝኸኣለ ቀዲሙ ብዝተተለመ ዶ ወይስ ብኣጋጣሚ እዩ ንዝብል የጻሪ ኣለኹ ኢሉ።

ኣብ ደሴታት ባሊያሪክ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግሰቲ ኣይና ካልቮ፡ "እቲ ኩናታት ኣብ ታሪኽ መዕርፎ ነፈርቲ ስፔን ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣጋጣሚ" ኢልዎ።

ኣብ ውሽጢ'ታ ካብ ሞሮኮ ተልዒላ ናብ ቱርኪ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ኤይር አረቢያ ማሮክ ተሳፊሩ ዝነበረ ሓደ ሞሮካዊ፡ ብሕማም ስኳር [ዲያቤትስ] ምኽንያት ውንኡ ብምስሓቱ እያ እታ ነፋሪት ኣብ ዝቐረበ መዕርፎ ነፈርቲ ስፔን ክትዓርፍ ዝተገብረት።

ነቲ ውልቀ ሰብ ካብታ ነፋሪት ንምውጻእ ጻዕሪ ክግበር እንተሎ ድማ እቶም 21 ተሳፈርቲ ተሓቢኦም ሃዲሞም ኣምሊጦም።

እቲ ዝሓመመ ውልቀሰብ ድማ፡ ኣብ ሆስፒታል ተወሲዱ ጥዕንኡ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ስለዝተረኸበ፡ ካብቲ ሆስፒታል ክወጽእ ምስ ተገብረ 'ናብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መገዲ ክኣቱ ፈቲኑ' ብዝብል ክሲ ተመስሪትዎ ከምዝርከብ፡ ወኪል ዜና እታ ሃገር ኢፌ ጸብጺቡ።

ነቲ ውልቀሰብ ደጊፉ ናብ ሆስፒታል ዘምረሐ ካልእ ተሳፋሪ'ውን ከምዝጠፍአ እዩ ዝንገር።

ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዘይግቡእ ባህሪ የርእይ ነይሩ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ሓዊስካ፡ ብሃፈሳ 24 ተሳፈርቲ ናይዚ ጉዳይ ተሳተፍቲ ነይሮም ተባሂሉ።

ብሰንኪ እዚ ኣጋጣሚ ናብ 60 ዝጽግዓ በረራታት ኣንፈተን ከምዝቐየራ ወይ ድማ ደንጉየን ክለዓላ ከምዝተገደደዳ ተጸብጺቡ።

ነፋሪት ኤር አረቢያ ማሮክ ነቶም ዝተረፉ ተጓዓዝቲ ሒዛ ናበ'ቲ ዝተበገስትሉ ቱርኪ ከምዘምረሐት'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ።