ደሴት ቶንጋ ፈላማይ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ መዝጊባ

ኮቪድ-19

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ቶንጋ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ፈላማይ መልከፍቲ ምምዝጋባ ስዒቡ፡ ዜጋታት እታ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖ እትርከብ ደሴት ክታበት ንምውሳድ ይጓየዩ ኣለዉ፡፡

እቲ መልከፍቲ ኣብ ሓደ ሙሉእ ክታበት ወሲዱ ካብ ኒውዚላንድ ብዓርቢ ዝተመለሰ ቶንጋዊ፡ እዩ ተረኺቡ፡፡

ቀዳማይ ሚነስተር እታ ሃገር ፖሂቫ ቱይዋንቶዋ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ደሴት ዕጽዋ ክንበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ልዕሊ 100 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኒው ዚላንድ እትርከብ ደሴት ቶንጋ ካብተን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዘይተመዝገበለን ናይ መወዳእታ ሃገራት ሓንቲ እያ፡፡

ዛጊድ ካብ ህዝባ ሲሶ ጥራሕ ሙሉእ ክታበት ዝወሰደ ኮይ፡ ሐዚ ግና ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታታ ክታበት ንምርካብ ናብ ማእከላት ጥዕና ይኸዱ ኣለዉ፡፡

ለበዳ ኮሮናይረስ ካብ ዝጅምር ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 246 ሚልዮን መልከፍቲታት ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣስታት 5 ሚልዮን ምስቲ ለበዳ ዝተኣሳሰር ሞት ከምዘጋጠመ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት፡፡

እቲ ቫይረስ ኣብ ከም ቱቫሉ ዝበላ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ደሴታት ዛጊድ ኣይተረኸበን፡፡

ብኻልእ ወገን ከም ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን ዝበላ ሃገራት ዝኾነ ጸብጻብ መልከፍቲ ዘየቕረባ ኮይነን፡ እቲ ቫይረስ ግን ኣብተን ሃገራት ኣትዩ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጠር፡፡