ኩዕሶ እግሪ፡ ምስ ግጥም ሊቨርፑልን ማንቸስተር ዩናይትድን ብዝተሓሓዝ 'መደቀሲኦም ዘቃጸሉ' ተምሃሮ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኬንያ፡ ምስ ግጥም ሊቨርፑልን ማንቸስተር ዩናይትድን ብዝተሓሓዝ ኣርባዕተ መደቀሲኦም ኣቃጺሎም ዝተባህሉ ተምሃሮ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እቶም ተምሃሮ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መንጎ እግሊዛውያን ክለባት ሊቨርፑልን ማንቸስተርን ዝተኻየደ ግጥም ክዕዘቡ ስለዘይተፈቕደሎም ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢሮም።
ደይሊ ኔሽን ዝተባህለ ጋዜጣ'ታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ፖሊስ ን14 ተምሃሮ ድሕሪ ምዝርራቦም ኣርባዕተ ካብኦም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
እቶም ኣብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ኪሊፊ ኣብ ዝርከብ ናይ ኣወዳት ቤት ትምህርቲ ዝነብሩ ተምሃሮ ንሎሚ ረቡዕ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ተምሃሮ፡ ቀዳም ጥራይ ተለቪዥን ክርእዩ ከምዝፍቀደሎም፡ ኣዛዚ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ፍረደሪክ ኣቡጋ ነቲ ማዕከን ዜና ተዛሪቡ።
ብሰንኪ'ቲ ዘጋጠመ ኩነታት እቲ ቤት ትምህርቲ ተዓጽዩ ከምዘሎ'ውን ተገሊጹ።
ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ግጥም ሊቨርፑል ንማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ 5 ብ 0 ምስዓራ ንደገፍታ ፍናን ዝሃበ ክኸውን እንከሎ፡ ንደገፍቲ ናይታ ስተሳዕረት ጋንታ ግን ዓቢ ውርደት ኮይኑ'ሎ።
ኣብቲ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ ዓለም ምዃኑ ዝንገረሉ ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበሉ ጸወታ ኣብ መንጎ ተኸታተልቲ ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ ብሰፊሑ ክትንተንን ክዝረበሉን ቀንዩ እዩ።
ክልቲአን ጋንታታት ንልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘመን ዝቐጸለ ምትህልላኽ ዘለወን ምዃነን ይፍለጥ።
እቲ ናይ ሰንበት ውጽኢት ኣብ ታሪኽ ማንቸስተር ሓደ ካብቶም ዘጋጠማ ዝኸፍኡ ስዕረታት ምዃኑ ይግለጽ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
