መንግስቲ ብሪጣንያ ንቅትለት ኬንያዊት 'ክሸፋፍኖ' ሓሲቡ ብምባል ስድራኣ ተቖጢዖም

Published

ብኣቖጻጽራ ኣውሮጳ 2012 ብወተሃደራት ብሪጣንያ ተቐቲላ ናይ ዝተብሃለት ኬንያዊት፡ ቤተሰባ ሞታ ሕጋዊ መዓልቦን ግቡእ ዳንነትን ስለዘይተገበረሉ ተስፋ ከምዝቐረጹ ንቢቢሰ ገሊጾም።

ቤተ ሰብ ኣግነስ ዋንጂሩ፡ ክሳብ ሕጂ ብቅትለታ ዝተኸሰሰ ሰብ ከምዘየለ እዮም ገሊጾም።

ኣብ ብሪጣንያ ዝሕተም 'ሳንደይ ታይመስ' ዝተብሃል ጋዜጣ፡ ምክልኻል ብሪጣንያ ንሞት ኣግነስ ዋንጆሩ ክሸፋፍኖ ፈቲኑ ዝብል ጸብጻብ ኣብ ዓምድታቱ ምስ ኣስፈረ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኬንያ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ።

ኣብ እዋን ሞታ ጓል 21 ዓመት ዝነበረት ኣግነስ ዋንጂሩ፡ ኣብ ማእከላይ ዞባ ኬንያ ምስ ወተሃደራት ብሪጣንያ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ምስ ኣምሰየት፡ ሃለዋታ ጠፊኣ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣስክሬና ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ሓደ መስመር ማይ ተረኺቡ።

ኣግነስ ዋንጂሩ ክትመውት እንከላ ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ህጻን እያ ገዲፋ ሞይታ፡ ነታ ጓላ ኸኣ ካብ ናይሮቢ ናብ ሰሜን 200 ኪሎሜተር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ከተማ ናንዮኪ እትነብር ዋንዮዋ እትብሃል ሓፍታ ተዕብያ ኣላ።

ዋንዮዋ እቲ ኣብ ሰንደይ ታይምስ ዝወጽአ ጸብጻብ ሓዘና ከምዝቐስቀሰላ ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንሳን ብዓል ቤታ ጆን ሙቺሪን ሞት ኣግነስ ዋንጂሩ ፍትሒ ከምዘይረኸበ ገሊጾም።

"ነቲ ጻዕዳ ኣግነስ ዋንጂሩ እንተትቐትሎ ነይራ ሕጂ ኣበይ ተኣሲራ ከምዘላ ኣይምፈለጥናን ነይርና" ዝበለት ዋንዮዋ "እንተኾነ ቀታሊ ሓፍትና ነጻ ኮይኑ ይነብር ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ በይነይ ጓል ምውቲ ሓፍተይ የዕቢ ኣለኹ"ኢላ።

ትምህርቲ ኣቋሪጻ ጓላ ንምዕባይ ኣብ ሰራሕ ምንዝርና ዝተዋፈረት መዋቲት ኣግነስ ዋንጂሩ፡ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ሓደ እንዳ መስተ ምስ ክልተ ወተሃደራት ብሪጣንያ ክትወጽእ እንከላ እያ ተራእያ።

ደሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ግን ኣብ ድሕሪ እቲ ወተሃደራት ብሪጣንያ ዝነበርዎ፡ ክፍሊ ኣካላታ ጎዲሉን ብስሕለት ተበሳሲዑን ተረኺቡ።

ቤት ፍርዲ ኬንያ ኣብ 2019 ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ፡ እኹል መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ኣግነስ ዋንጂሩ ብክልተ ወተሃደራት ብሪጣንያ ከምዝተቐተለት መደምደምታ ሂቡ።

ንጉዳይ ቅትለት ኣግነስ ዋንጂሩ ዝመርመረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተወሳኺ መርመራ ክግበር'ኳ ትእዛዝ እንተሃበ፡ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ብሪጣንያ ብዛዕብኡ ኣመልኪቱ ዝገበሮ ዝኾነ ነገር ከምዘየለ ሳንደይ ታይምስ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ።

ሰብኣይ ሓፍታ ንኣንገስ ዋንጂሩ፡ ጆን ሙቺሪ "መላእ ቤተ ሰብ በቲ ዝኸውን ዘሎ ሕጉስ ኣይኮነን፡ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ናይ ሕጊ ምጉት ከይንኸፍት ግን ንከፍሎ ገንዘብ የብልናን፡ ብምንታይ ጠበቃ ክንቐጽር" ኢሉ።

ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ጥቃ ከተማ ናንዮኪ ወተሃደራት ብሪጣንያ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወስድሉ ዓቢ መዓስከር ኣሎ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ኸኣ ምስቶም ወተሃደራት ብዝተሓሓዝ ንመንግስቲ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።