ሃይቲ፡ ሕጽረት ነደዲ ንብምሉአን ሆስፒታላት ሃይቲ ከምዘልመሰን ዩኒሴፍ ገሊጹ

ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገረ ሰብ ጀሪካናት ሒዚ ነዳዲ ኣለዎ ናብ ዝተብሃለ ኖታ ክጓየ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ 24 ጥቅምቲ 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገረ ሰብ ጀሪካናት ሒዚ ነዳዲ ኣለዎ ናብ ዝተብሃለ ኖታ ክጓየ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ ኣሎ
Published

ኣብ ሃይቲ ዝርከባ ዓባይቲ ሆስፒታላት ብሰንኪ ክቱር ሕጽረት ነዳዲ ኣገልግሎት ምሃብ ይጽገማ ምህላወን ዩኒሴፍ ገሊጹ።

መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ካብን ናብን ከተማታት ዘራኽብ ጽርግያታት ብሸፋቱ ስለዝተተሓዘን ጭውያታት ስለዝበዝሐን ክንቀሳቐሱ ስለዝፈርሑ እቲ ሕጽረት ነዳዲ ከምዘጋጠመ ዩኒሴፍ ሓቢሩ።

ብሕጽረት ነዳዲን መሰረታውያን ቀረባትን ዝተቖጥዑ ዜጋታት እታ ሃገር ንገለ ዓበይቲ ጽርግያታት ስለዝዓገትዎ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ካብ ዘጋድዱ ዘለዉ ነገራት ምኳኖም'ውን ተገሊጹ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፡ ሎሚ ኣብታ ሃገር ሓያል ህዝባዊ ተቃውሞ ክህሉ ምዃኑ ገሊጸን ኣለዋ።

ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ንምቅዋም ብዙሓት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ኡይትኦም የስምዑ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዩኒሴፍ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብስንኪ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ዘሎ ምቁረጽ ናይ መብራህቲ፡ ብጽኑዕ ዝሓመሙ ዝርከብወን ሆስፒታላት ህይወት ሕሙማተን ንምድሓን ጀነሬተራት ክጥቀማ ይግደዳ ምህላወን ገሊጹ።

ጉዳይ ናይ ቀረብ ኤለትሪክ ክሳብ ሎሚ ኣጋግዘ ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይተገይርሉ ህይወት 300 ህጻናት፡ 45 ደቂ ኣንስትዮን 150 ሕሙማት ኮቪድ-19 ንዝኸፈአ ሓደጋ ክቃላዕ ከምዝኽል ዩኒሴፍ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ምክትል ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ሃይቲ ራውል ድ ቶርሲ "ብሰንኪ ሕጽረት ኤልትሪክ ዝስዕብ ሞት ክህሉ ኣይንደልን ኢና" ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ "ኣብ ሃይቲ ዘሎ ጭውያን ስርቅን ንዝውለዱ ዘለዉ ህጻናትን ኣደ ቆልዑን ንህይወቶም ናብ ክሳብ ክንድዚ ንሓደጋ ከቃልዖ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ኣብታ ሃገር ዝርከባ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽአኦ ጸብጻብ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዓመት 2021 ኣብታ ሃግር ጭውያ ኣስታት 800 ሰባት ከምዝተመዝገበ ምግላጽን ይዝከር።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተጨወዩ፡ 17 ሚስየናወያን ዜጋታት ካናዳን ኣመሪካን ይርከብዎም።

እቶም ነዞም 17 ሚሲናውያን ዝጨወዩ ሸፋቱ፡ ነጻ ንክሰድዎም ንነብሲ ወከፎም ሓሓደ ሚልዮን ዶላር ክኸፈለሎም'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

ፕረዚደንት ሃይቲ ነበር ጆቨነል ሞየስ 7 ሓምለ ኣብ መንበሪ ቤቴ ምቕታሉ'ውን ውጸኢት ናይቲ ኣብታ ሃገር ሳዕሪሩ ዘሎ ቅሉዕ ምንቅስቃስ ሸፋቱ ምዃኑ ብዙሓት ይገልጹ።